ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምጥንኻር ብቖራፅነት እናሰርሐት እያ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 15/2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ስትራተጂካዊ ኢኮኖሚያዊ ምሕዝነት ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ንምጥንኻር ብቖራፅነት እናሰርሐት ከም ዝኾነት ሚኒስትር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ገሊፆም።

ኢኮኖሚያዊ ምትእስሳር ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ናብ ዝልዓለ ብርኪ ዘሰጋግር መድረኽ ኢኮኖሚያ ምትሕብባር ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ኣፍሪካ ዝህልወን ኢንቨስትመንትን ኢንዱስትሪን ብምስፋሕ ኣብ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ዝተመርኮሰ ዘላቒ ኢኮኖሚያዊ ስግግር ንምፍጣን ዘኽእሉ ጉዳያት ክመከረሎም እዩ፡።

መርሃ ግብሪ ሃገር በቆል ምምሕያሽ ብዝሓ ዓውዲ ኢኮኖሚ ኢትያጵያ መእውን ኣማራፅታት ንግድን ኢንቨስትመንትን  ብምስፋሕ ኣህጉራውን ዓለም ለኻውን ምህዳር ልምዓት ፈጢሩ እዩ።

እቲ መድረኽ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ምስ ኢትዮጵያ ዘለወን ዘመናት ዝተሰገረ ስትራተጂካዊ ምሕዝነት ኣብ ኩሎም ዓውድታት ልምዓት ብዝበለፀ ንምዕባይ ወሳኒ ኣጋጣሚ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ድኤታ ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ኣብዚ እዋን፤ ስትራተጂካውን ዘላቕን ምሕዝነት ኣፍሪካን ሃገራት ወሽመጥ ዓረብን ኢኮኖሚያዊ ዕብየት ንምፍጣን ወሳኒ ተራ ይፃወት ምህላዉ ገሊፆም።


 

ኣብ ቅልጡፍ ምዕራፍ ስግግር ኣፍሪካ እውን ኣብ ዓለም ብቕልጣፈ ካብ ዝዓብያ 15 ኢኮኖሚታት እተን ሸውዓተ ካብ ኣፍሪካ ክኾና ትፅቢት ይግበር ኢሎም፡፡

ስምምዕነት ናፃ ኣህጉራዊ ንግዲ ኣፍሪካ ዓቢይ ዓለም ለኻዊ ዞባ ንግዲ ብምፍጣር ንኢንዱስትሪ፣ ንግድን ኢንቨስትመንትን ሓደሽቲ ዕድላት ይኸፍት ምህላዉ ገሊፆም።

ኣብዚ እዋን ኣፍሪካ መባፅሒ ኣንቨስትመንት ብምስፋሕ ኣብ ውሕስነት ምግቢ ተሓዳሲ ሓይሊን ዓለም ለኸ ኣቕርቦት ሰንሰለት ስትራተጂካዊ መሻርኽቲ እናኾነት ትመፅእ ምህላዋ ተናጊሮም።

ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ  ፈንድ ሃፍቲ ሉኣላዊ ብምጥቃም ኣብ መሰረተ ልምዓት፣ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ቴክኖሎጂ፣ ፋይናንስን ሕርሻን ልዑል ኣንቨስትመንት የካይዳ ምህላወን ኣልዒሎም።

ኣብ ዝቕፅል እውን ምትሕብባር ብምጠናኸር ሰሓባይን ዘተኣማምን ማዕቐፍ ሕግን ፖሊሲን ኢንቨስትመንት   ብምፍጣር ፈጠራ ዝተወሰኮ ጠንካራ ሜላ ትግበራን ክትትልን ምጥያሽ ከም ዘድሊ ኣፍሊጦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም