ሓምለዋይ ኣሰር ድሕንነት ስነ ምህዳር ብምሕላው ሂወት በረኻ መፀግዕን መንበርን ዝረኽብሉ ዕድል ፈጢሩ እዩ-ፕሬዚዳንት ታዬ ኣፅቀስላሴ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 14/2018(ኢዜኣ) መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ድሕንነት ስነ ምህዳር ብምሕላው ሂወት በረኻ መፀግዕን መንበርን ዝረኽብሉ ዕድል ከም ዝፈጠረ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ገሊፆም።

በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ መበል 60 ዓመት በዓል ምስረትኡ “60 ዓመታት ንሂወት በረኻ ኢትዮጵያ” ቅብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ የኽብር ኣሎ።

ኣብቲ ክብረ በዓል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንዘበናት ዘጠራቐመቶም ሜላታት ሓለዋ ሂወት በረኻ ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ኣብ ምስግጋር ካብ ኣፍሪካ ግንባር ቀደም እያ።

ባህላዊ ስርዓት ሓለዋ ሂወት በረኻ ኢትዮጵያውያን እውን ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ ዝመሓላለፍ ዝነኣድ ፀጋ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።

ምድኻም መፍለይ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ዝኾነ ዋሊያ ኣይቤክስ መተሓሳሰቢ እዩ ዝበሉ እቶም ፕሬዚዳንት፤ እዚ ንምድሓን ሃገራውን ዓለም ለኻውን ግቡእ ኣለና ኢሎም።

ኣብ ሓደ ሓደ ከባብታት ብድሑር ልምድን ኣተሓሳስባን ኣብ ልዕሊ እንሰሳት ዘገዳም ዝበፅሕ ጥቕዓት ብምቁራፅ ፀጋታት ኣጥቢቕካ ምሓዝ ከም ዝግባእ እውን ኣረዲኦም።


 

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ሚዛን ሃፍትታት ተፈጥሮን ስነ ምህዳር ብዝሃ ሂወትን ንምሕላው ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ከም ዝተሳለጡ ኣብሪሆም።

መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ እውን ዝደረቑ ፍልፍላት ማይን ደንታትን ብምምላስ ጠፊኦም ንዝነበሩ እንሰሳት ዘገዳም መፀግዕን መንበርን ኮይኑ እናገለገለ እዩ ዝርከብ ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መርሃ ግብሪ ሓምለዋይ ኣሰር ኩለ መዳያዊ ዓወት ንክምዝገብን ንድሕንነት ብዝሃ ሂወትን ንዘበርከትዎ ኣስተዋፅኦ ኣመስጊኖም።

ኣብቲ ዓውዲ ትፅቢት ዝግበር ውፅኢት ንምምፃእ ተጊህኻ ምስራሕ ከም ዝግባእ ብምግላፅ፤ ኣብ ዝሓለፉ 60 ዓመታት እቲ በዓል መዚ ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተፈጥሮ ንምሕላው ንዘበርከትዎ ርኡይ ኣስተዋፅኦ እውን ምስጋና ኣቕሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም