ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥንኻር ንመፃኢ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምርካብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ እዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ሓምለ 14/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ሓለዋን ልምዓትን ሃፍቲ ተፈጥሮ ብምጥንኻር ንናይ ፅባሕ ወለዶ ዝሓሸት ሃገር ንምርካብ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ገሊፆም።

በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ መበል 60 ዓመት በዓል ምስረትኡ የኽብር ኣሎ።

ኣብቲ ክብረ በዓል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴ፣ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ሓዊሱ ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።


 

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ ሓለዋ እንሰሳት ዘገዳም ኢትዮጵያ ኩመራ ዋቅጅራ ኣብዚ እዋን፤ ተፈጥሮ ንዓና ካብ ዝተውሃበ ሃፍትነት ብተወሳኺ ንመፃኢ ወለዶ እነመሓላልፎ ሓደራ እውን እዩ ኢሎም።

ስለ ዝኾነ ድማ ሃፍቲ ተፈጥሮ ምሕላው መማረፂ ዘይኮነስ ግቡእ ከም ዝኾነ ብምሕባር፤ ጎቦታት፣ ሩባታት፣ ዓሞቕቲ ቦታታት፣ ሽንጥሮታትን ቃላያትን መፍለይታት ሃፍቲ ብዝሃ ሂወት ኢትዮጵያ ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።

ዋልያ ኣይቤክስ፣ ቀያሕ ብዃርያ፣ ጭላዳ ከምኡ እውን ብርክት ዝበላ ኣዕዋፍን ዕምበባታትን ብተፈጥሮ ዝተዓደልናዮም መንነት ሃገናን ዓቕሚ ኢኮኖሚናን እዮም ክብሉ እውን ኣረዲኦም።

ቅድሚ 60 ዓመታት ብክልተ ብሄራዊ ፓርክታት ዝተጀመረ ዘበናዊ ጉዕዞ ሓለዋ ኣብዚ ሕዚ እዋን ከም ሃገር ልዕሊ 30 ከም ዝበፅሑ ሓቢሮም።

ካብ ቀረባ ዓመታት ጀሚሩ ምምሕዳር ቦታታት ሓለዋ ንክጠናኸር፣ተሳታፍነት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንክዓቢ፣ መሰረተ ልምዓታት ቱሪዝም ንክመሓየሹን ዲጂታል ቴክኖሎጂታት ኣብ ስራሕ ሓለዋ ብሰፊሑ ተግባራዊ ንክግበሩን ከም ዝተገበረ ገሊፆም።

ሎሚ እነኽብሮ ዘለና በዓል፤ 60 ዓመታት ዝፀንሐ ተስፋ፣ 60 ዓመታት ዝተኸፈለ መስዋእቲ፣ 60 ዓመታት ዝተፅሓፈ ታሪኽን 60 ዓመታት ንመፃኢ ወለዶ ዝተሸክምናዮ ሓደራን እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም