ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ በደልን ግፋ መናእሰይን ካብ ሻዕቢያ ዝወሰዶ ተሞክሮ እዩ-ኤርትራዊ ኣይተ ብርሃነ ክብረኣብ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ በደልን ግፋ መናእሰይን ካብ ሻዕቢያ ዝወሰዶ ተሞክሮ እዩ-ኤርትራዊ ኣይተ ብርሃነ ክብረኣብ
ኣዲስ ኣበባ / ሓምለ /14/2018 (ኢዜኣ)፡- ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ በደልን ግፋ መናእሰይን ካብ ሻዕቢያ ዝወሰዶ ተሞክሮ ከም ዝኾነ ኤርትራዊ መስራቲ ሚድያ ደሃይ መንእሰያት ኣይተ ብርሃነ ክብረኣብ ገሊፆም።
ኣይተ ብርሃነ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ዕምሪ ስልጣኑ ንምንዋሕ መንእሰይ ትግራይ ብሓይሊ ብምግፋፍ ናብ ወታደራዊ ካንፕታት የእቱ ከም ዘሎን ንሱዳን ብምሻጥ እውን ፍልፍል ኣታዊኡ ይገብሮም ከም ዘሎን ገሊፆም፡፡
እዙይ ድማ ንልዕሊ 25 ዓመታት ህዝቢ ኤርትራ ንብተና፣ ስደትን ጭቆናን ዝዳረገ ሞዴል ስርዓት ሻዓቢያ ናብ ትግራይ ከም ዝተሰገሳገረ መርኣያ እዩ ኢሎም ፡፡
ህወሓት ናይ ሻዕቢያ ጨካን ሞዴል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ተግባራዊ ምግባር ከም ዝጀመረ ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ፤ ሻዕቢያ ናይ ጥፍኣት፣ መከራን ስደትን ኣብነት እምበር ናይ ሰላምን ዕቤትን ኣብነት ክኾን ከምዘይክእል ተዛሪቦም፡፡
ስርዓት ሻዕቢያን ጉጅለ ህወሓትን ንዝሓለፉ 30 ዓመታት ልዕሊኡን ተፈቲኖም ዝወደቑን ንህዝቢ ካብ ስደትን መከራን ወፃኢ ዘምፅእዎ ለውጢ ከምዘየለን ዝገለፁ ኣይተ ብርሃነ፣ ህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ኣንፃር እዞም ሓይልታት ዝገብሮ ቃልሲ ከሕይል ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም።
ጉጅለ ህወሓትን ሻዕቢያን ህዝቦም ካብ ምጩቃንን ምዕፋንን ሓሊፎም ንዞባዊ ህውከትን ጥፍኣትን ዝዓለመ ጥምረት ፈጢሮም ይንቀሳቐሱ ከም ዘለዉ እውን ገሊፆም፡፡
ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዘለዋ ሃገራት ሓቢረን ክሰርሓ፣ ናይ ሓባር ገንዘብን ቁጠባዊ ፖሊሲን ክህልወን ከምዝገባእ ዘመልከቱ ኣይተ ብርሃነ፤ ሐዚ ኣብ መንጎ ሻዕቢያን ህወሓትን ካልኦት ተቓወምቲ ኢትዮጵያን ዝግበር ዘሎ ፅምዶ ንኩናትን ህውከት ዝተገበረን ኣንፃር ህዝቢ ኤርትራ፣ ትግራይን መላእ ኢትዮጵያን ዝዓለመ ናይ ጥፍኣት ምንቅስቓስ እዩ ኢሎም፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብዚ ዞባ ሰላም ኣብ ምምፃእ ዝለዓለ ዓቕምን ሓላፍነትን ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ኣብ ኤርትራን ትግራይን ዘለዉ ዓመፅቲ ሓይልታት ህዝባዊ ደገፍ ዘይብሎም ብምዃኖም፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይን ኤርትራን ብምሕጋዝ ነዞም ስርዓታት ብቐሊሉ ከወግዶም ከም ዝግባእ ኣመላኺቶም፡፡
እዞም ጉጅለታት ጠንቂ ዞባዊ ሰላም ብምኻኖም ህዝቢ ኢትዮጵያን ማሕበረሰብ ዓለምን ክቃለሶምን ክቃለዖምን ከምዝገባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡