ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ምስ ናይ ኣርሜኒያ መዘንአን ዘትየን

ኣዲስ ኣበባ ፤ ሓምለ 14/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ምስ ቀዳማዊት እመቤት ሪፐብሊክ ኣርሜኒያ ኣና ሀኮብያን ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዘካየዳ ገሊፀን።



ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ምስ ቀዳማዊት እመቤት ሪፐብሊክ ኣርሜኒያ ኣና ሀኮብያን ኣብ ዝተራኸባሉ እዋን ኣብ ሃገራተን ኣብ ዘሳልጥኦ ዘለዋ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ዘትየን።



ክልቲአን ቀዳማዊት እመቤት ዝገበርኦ ዘተ ዕዉትን ውፅኢታውን ከም ዝነበረ እውን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽ ታያቸው ኣብ መልእኽተን ኣረጋጊፀን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም