ድምፅን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘንፀባረቐ ውፅኢታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ-ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ - ኢዜአ ትግርኛ
ድምፅን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘንፀባረቐ ውፅኢታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ-ቤት ምኽሪ ሰላምን ፀጥታን ትግራይ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 12/2018(ኢዜኣ) ትማሊ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ ኩለ መዳያዊ በደን ግፍዕን ዝኹንን ዝተኻየደ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ድምፅን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘንፀባረቐ ውፅኢታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነበረ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ኣፍሊጡ።
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ደለይቲ ሰላም ኢትዮጵያውያንን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ ግፍዒ ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ዝፍለጥ እዩ።
እቲ ቤት ምኽሪ ነቲ “ግፋ ጠጠው ይበል፣ሰላም ይዕሰል” ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተኻየደ ዓብይ ሰላማዊ ሰልፊ ብዝምልከት ሎሚ መግለፂ ሂቡ።
እቲ መግለፂ ዝሃቡ መተሓባበሪ ጉዳያት ፖለቲካ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ነጋ ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ ጉጅለ ህወሓት ንኲናት ዝገብሮ ዘሎ ምድላው ንከቋርፅን ንምኹናንን ከምኡ እውን ህዝቢ ትግራይ ደላዪ ሰላም ከም ዝኾነ ንመላእ ኢትዮጵያውያንን ካልኦት ዝምልከቶም ኣካላትን ንምፍላጥ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
ልዕሊ 45 ሽሕ ተሰላፊ ፀልማትን ዝናብን ከየሰኮኖ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዝገብሮ ዘሎ መስካሕክሒ በደልን ግፍዕን ከም ዝኾነነን ንዝምልከቶ ኣካል ሰላማዊ መልእኽቲ ከም ዘመሓላለፈን ሓቢሮም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘለዉ ተጋሩ ሓሳቦም ብነፃነት ብሰልፊ ክገልፁ እዮም ተባሂሉ ካብ ዝተገለፀሉ እዋን ጀሚሩ
እቲ ሰልፊ ንምትዕንቓፍ በቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝተፈላለዩ ምንቅስቓሳት ከም ዝተገበሩ ብምግላፅ፤ ናብቲ ሰልፊ እንተወፂእኹም ናብ ውትድርና ክትግፈፉ ኢኹም ዝብል ፈጠራዊ ሓሶት እናነዝሐ ከም ዝነበረ ድማ ከም ኣብነት ፀሪሖም።
ይኹን እምበር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝነብር ትግራዋይን ካሊእ ኢትዮጵያውን ሽርሒ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብምርዳእ ዝናብን ፀልማትን ከየሰኮኖ ኣብቲ ሰልፊ ተረኺቡ መልእኽቱ ብግልፅን ብኣግባቡን ኣመሓላሊፉ እዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብቲ ሰልፊ ክመሓላለፍ ዝተደለየ መልእኽቲ ሙሉእ ብሙሉእ ብዓወትን ውፅኢታውነትን ከም ዝተመሓላለፈ ሓቢሮም።
ድምፅን ድሌትን ህዝቢ ትግራይ ብትኽክል ዘንፀባረቐ ውፅኢታዊ ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዝነነበረ እውን ተዛሪቦም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ሎሚ እዚ መግለፂ ኣብ ንህበሉ እዋን እውን መናእሰይ ብሓይሊ እናገፈፈ እዩ ዝርከብ ዝበሉ ኣይተ ነጋ፤ እቲ ዘሕዝን ድማ መንእሰይ ትግራይ ብዶላር ናብ ኲናት ሱዳን እናተሸጠ ምዃኑ እዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ነዚ በቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝበፅሕ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ግፍዕን በደልን መንግስቲ ፌዴራል ይኹን ዓለም ለኸ ትካላት ጠጠው ከብልዎ ይግባእ ክብሉ ገሊፆም።
እቲ ሰልፊ ብዓወት ንክሳጥ ልዑል ኣስተዋፅኦ ንዝገበሩ ኣካላት ፀጥታ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባን ፌዴራልን፣ ኣካላት ሚድያን ካልኦት ኣካላትን እውን ኣምስጊኖም።
መላእ ህዝቢ ትግራይ ብፍላይ ድማ መንእሰይን ማሕበረሰብ ዲያስፖራን ትግራይ ኣንፃር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ቃልሲ ኣብ ጎንና ኮይኑ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ኣለዎ ክብሉ ተዛሪቦም።
መገልገልቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝኾኑ ኣካላት እውን ከንቱ መስዋእቲ ንዘይምኽፋል ኣንፃር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንክቃለሱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ትግራይ ተረባሒት ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዝሳለጥ ዘሎ ኩለ መዳያዊ ልምዓት ክትኸውን ኣለዋ ዝበሉ ኣይተ ነጋ፤ እዚ ዝኸውን ድማ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝገብሮ ዘሎ ተግባር ጠጠው እንተብልን ናብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምምላስ እንትከኣልን ከም ኾነ ኣረዲኦም።
ኣንፃር እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዝግበሩ ሰላማዊ ሰልፍታት ኣብ መላእ ኢትዮጵያን ትግራይን ተጠናኺሮም ከም ዝቕፅሉ ብምሕባር፤ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ተጋሩ ዲያስፖራ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ከም ዝገብሩ ኣፍሊጦም።