ሕቶ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ምስ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ሕጊ ድማ ምስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘተሓሓዘ ምኽንያታዊ ሕቶ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሕቶ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ምስ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ሕጊ ድማ ምስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘተሓሓዘ ምኽንያታዊ ሕቶ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 12/2018 (ኢዜአ)፦ ሕቶ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ታሪኽ ምስ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ሕጊ ድማ ምስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ዘተሓሓዘ ምኽንያታዊ ሕቶ ምዃኑ ሊቢያዊ ምሁር ፕሮፌሰር ሳዕድ ሰላማ ገሊፆም።
ኣብ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንምስታፍ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ሊቢያዊ ፕሮፌሰር ሳዕድ ሰላማ፤ ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ዕድል ተበፃሕት ባሕሪ ብሰናይ ፍቓድ ካልኦት ሃገራት ጥራሕ ክውሰን ከምዘይብሉ ተዛሪቦም።
ፕሮፌሰር ሳዕድ ንፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ (POA) ከምዝበልዎ፤ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ምትእስሳር ንግዲን ዝተመስረተ ምዃኑ ኣብ ዞባዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለማኻዊን ሕግታት ብንፁር ተደንጊጉ ኣሎ።
ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ናብ ባሕሪ ናይ ምብፃሕ መሰለን ብዓለምለኻዊ ሕግን ስምምዓትን ዝተረጋገፀ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኢኮኖሚያዊ ዕብየትን ልዑል ቁፅሪ ህዝብን ዘለዋ ሃገረ ከም ምዃና መጠን፣ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ናይ ባዕላ ኣፍደገ ባሕሪ ከምዝነበራ ኣዘኻኺሮም።
ናይ ነዊሕ ዘመናት ታሪኽ ስልጣነ እታ ሃገር እውን ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪ ምስ ዝነበራ ዋናነት ወደብ ኣዝዩ ዝተኣሳሰረ ጉዳይ ምዃኑ ኣልዒሎም።
ሕቶ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንታሪኽ ምስ መልክዓ-ምድራዊ ኣቀማምጣ፣ ንሕጊ ድማ ምስ ፍትሓዊ ተጠቃምነት ኣጣሚሩ ዝሓዘ ምኽንያታዊ መሰረት ዘለዎ ጉዳይ ምዃኑ ገሊፆም።
እታ ሃገር ነዚ መሰላ ምላሽ ንምርካብ እተካይዶ ሰላማዊ ዲፕሎማሲያዊ ፃዕሪ ብዓለምለኻዊ ስምምዓት ዝተረጋገፀ መሰረታዊ መሰል ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።
ሕቶ ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ብወገን ጎረባብቲ ሃገራት ከም ውህብቶ ዝርአ ዘይኮነስ፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ሕግታት ዝተመስረተ ተፈጥሮኣዊ ሃፍቲ ብምትሕብባርን ናይ ምጥቃም መሰል ምዃኑ ኣስሚሮምሉ።
እቲ ሕቶ ኣብ መትከል ሓባራዊ ተጠቃምነት ተመስሪቱ ምላሽ እንተረኺቡ ሰላም፣ ንግድን ናይ ኢንቨስትመንት ምትእስሳር ቀርኒ ኣፍሪካ ብምጉልባት ልዑል ረብሓ ክህልዎ እዩ ኢሎም።
ሰላማዊን ኣብ መትከል ምሃብን ምቕባልን ዝተመስረተ ዲፕሎማሲያዊ ሕቶን ፃዕሪን ዋናነት ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ንዞባዊ ምትሕብባርን ዕብየትን ወሳኒ ምዃኑ ጠቒሶም።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝገበርዎ ፃንሒት ከይዲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ብምዕዛብ ንሃገሮም ሊቢያ ተጨባጭ ኩነታት ዝጠቕሙ ተመክሮታት ከምዝቐስሙ እውን ገሊፆም።