መንእሰይ ትግራይ እናተገፈፈ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ወታደር ኤርትራን ኲናት ሱዳንን ይውሰድ ኣሎ-ኣይተ ጌታቸው ረዳ

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ /11/2018(ኢዜኣ) መንእሰይ ትግራይ እናተገፈፈ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ወታደር ኤርትራን ኲናት ሱዳንን ይውሰድ ኣሎ ክብሉ ፕሬዚዳንት ፓርቲ ስምረት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ገሊፆም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ በደልን ዓፈናን ዝኹንን “ግፋ ጠጠው ይበል፣ ሰላም ይዕሰል” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲስ ሎሚ ካብ ሰዓት 12 ንጉሆ ጀሚሩ ሰላማዊ ሰላፊ ተኻይዱ።



ፕሬዚዳንት ፓርቲ ስምረት ኣይተ ጌታቸው ረዳ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤  ሎሚ ዝግበር ዘሎ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ መላእ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ዘሎ በደልን ግፍዕን ከምኡ እውን መሸጣን ግፋን መናእሰይ ትግራይ ንምኹናናን ንዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንምስማዕን ዝዓለመ እዩ።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ነዚ ህዝቢ ትግራይ ንምድሓን ዝተፀውዐ ሰልፊ ዝተፈላለዩ ፀለመታት ከም ዝህቦ ዘሎ ዝገለፁ ኣይተ ጌታቸው፤ ንዝተፈለየ ሰብ ከም ፀላኢ ዝርእን ዝኹንን ድሑር ጉጅለ እዩ ኢሎም።
እዚ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ስለዘይከኣል ኢና ኣብዚ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ነካይዶ ዘለና እውን ኢሎም።



እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንመናእሰይ ትግራይ ህፃውንቲ እውን ከይተረፈ እናገፈፈ ናብ ማእኸል መሰልጠኒ ኤርትራ እናወሰዶንን ንኲናት ሱዳን እናሸጦን ከም ዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ድሑር ጉጅለ ህወሓት ጉዳይ ተመዛበልቲ ይኹን ምምሕዳራዊ ወሰንን ከም ዘየገድሶ ብምግላፅ፤ ተመዛበልቲ ንከይምለሱ ሰራዊት ኣሰሊፉ ዕንቅፋት ኮይኑና ኔሩ እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ ካብ ካብ ኲናት ወፃኢ ክነብር ዘይፈቅድ ጉጅለ ህወሓት ሕዚ እውን ንዳግማይ ዝኸፍአ ኲናት ምስ ደጋዊ ፀላእቲ ህዝቢ ትግራይ ብምትሕብባር ትግራይ ዓዲ ህውከትን ዕግርግርግ ንምግባር እናሰርሐ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ይብሉ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘብፅሖ ዘሎ ዓፈናን በደልን ጠጠው ክሳብ ዝብል ምስ ኩሎም ደለይቲ ሰላም ኣካላት ብምትሕብባር ክንሰር ኣለና ኢሎም።
መንግሥቲ ፌዴራል እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንዝገብሮ ተደጋጋሚ ትንኮሳታት ኲናት ዝገብሮ ዘሎ ትዕግስቲ ንኢዶም።
ኩሎም ዝምልከቶም ኣካላትን ደገፍቲ ለውጥን ነዚ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ምውጋድ ዝገብርዎ ቃልስን ደገፍን ኣጠናኺሮም ንክቕፅልሉ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ኣብቲ ሰልፊ ንዝተረኸቡ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ድማ ኣመስጊኖም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም