ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሕነቱን ፅሬትን ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 10/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ተበፃሕነቱን ፅሬትን ብዝበለፀ ኣጠናኺርካ ምቕፃል ይግባእ ክብላ ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ገሊፀን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብወገነን፥ ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ኣብ ቀዋሚ ስርዓት ጥዕና ብምክታት፣ ተበፃሕነቱን ፅሬቱን ንምምሕያሽ ዝተዋደደ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ተዛሪበን።

መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ዓውዲ ጥዕና 2018 . ኣብ ከተማ ሸገር ማእኸል ቤት ህንፀት ዳለቲ ብዕሊ ተጀሚሩ።

ምክትል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ኣብዚ እዋን ኣብ ዝገበራኦ መደረ፥ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ልዕልና ሕጊ ዝኽበረሎም ቦታታት ጥራሕ ዘይኮኑ ሰብኣውነት ዝነግሰሎምን እሱራት ብፍልጠት፣ ክእለትን ስነ-ልቦናን ተሃኒፆም ናብ ማሕበረሰብ ዝፅንበሩሎም ማእኸላት ለውጢ እዮም ኢለን።

ተኣረምቲ ከም ዝኾነ ዜጋ ክረኽብዎ ዝግበኦም ሰብኣዊን ክንክን ጥዕናን ናይ ምርካብ መሰል ኣለዎም ዝበላ ኮይነን፣ ዝረኽብዎ ኣገልግሎት ሕክምና ተበፃሕነቱን ፅሬትን ብዝበለፀ ምዕባይ ከምዝግባእ ተዛሪበን።

ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ጥዕና እውን ንተበፃሕነት ሕክምና ናይ ባዕሉ ሓጋዚ ተራ ከምዘለዎ ብምጥቃስ፥ ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዝውሃብ ኣገልግሎት ጥዕና ብዝበለፀ ምስፋሕ የድሊ ኢለን።


 

ሰብ ሞያ ጥዕና መንግስትን ውልቀን ብምትሕብባር በብእዋኑ ሰፊሕ ስራሕቲ ሕክምናን ምርመራን ከካይዱ ከምዝግባእ ኣመላኺተን።

ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ዋናነት ብተበግሶ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ዝተጀመረ ሃገራዊ ምንቅስቓስ ኮይኑ፣ እቲ ሚኒስቴር እውን ነቲ ተመክሮ ኣብ ዓውዲ ጥዕና ኣጠናኺሩ ከም ዘቕፅለሉ ገሊፀን፡፡  

ኣብ ዓውዲ ጥዕና በብዓመቱ ዝካየድ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ኣብ ሃገር ውሽጢ ካብ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ብተወሳኺ፣ ኣብ ወፃኢ ሃገራት ዝነብሩ ዳያስፖራ ሰብ ሞያ ጥዕናን ካልኦት ወለንታውያን ብምስታፍ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፀን።


 

በዙይ ድማ ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምስፋሕ ዕድል ይፈጥር ከምዘሎ ኣመላኺተን።

ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዝርከቡ ተኣረምቲ እውን ናፃ፣ ፅሬት ዘለዎምን ፍትሓዊን ኣገልግሎት ጥዕና ንክረኽቡ የኽእሎም ከምዘሎ ጠቒሰን።

ኣብ ማእኸላት ኣብያተ ህንፀት ዘለዉ ትካላት ጥዕና ዓቕሞም ንክጠናኸርን ብርኪ ኣገልግሎቶም ክመሓየሽን ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝሳለጡ ኣብሪሀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም