ዕብየት ዲጂታል ኢትዮጵያ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ብምቅልጣፍ ውፅኢታውነት የዕቢ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 10/2018 (ኢዜኣ) ዕብየት ዲጂታል ኢትዮጵያ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ብምቅልጣፍ ውፅኢታውነት የዕቢ ከምዘሎ ሚኒስትር ድኤታ ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ገሊፀን።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተለዓሉሎም ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ኣብ ዝሃብሉ እዋን፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝተመዝገበ ዓወት ኣዝዩ ዘኹርዕን ተስፋ ዝህብን ምዃኑ ገሊፆም እዮም።

መንግስቲ ካብ ታሕተዋይ ብርኪ ትምህርቲ ጀሚሩ ንፅሬት፣ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጅን ምክልኻል ስርቂ ፈተናን ብዝሃቦ ትኹረት ምኽንያት እቲ ዓውዲ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ንምቕማጥ ዝልዓለ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ይርከብ፡፡

እዙይ ዝተወደደ ፃዕሪ ፅሬት ትምህርቲ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምንባርን ዓቕሚ ወለዶ ንምዕባይን ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል እውን ቀዳማይ ሚኒስትር ኣረጋጊፆም እዮም።

ሚኒስትር ድኤታ ትምህርቲ ኣየለች እሸቴ ንኢዜኣ ከምዝገለፃኦ፣ መንግስቲ ኣብ ዓመታት ለውጢ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ዝረኣዩ ስብራታት ንምፅጋንን ፅሬት ንምርግጋፅን መጠነ ሰፊሕ ስራሕቲ ሪፎርም ኣካይዱ እዩ።

በዙይ ድማ ተበፃሕነትን ፅሬትን ትምህርቲ ብዘላቕነት ምርግጋፅ ዘኽእሉ ብርክት ዝበሉ ስትራቴጂታት ብምንዳፍ ተግባራዊ ከምዝተገብሩ ገሊፀን።

ተምሃሮ ብቴክኖሎጂ፣ ብፍልጠትን ብክእለትን ንምብቃዕ ካብ ዋና ዋና ከተማታት ክሳብ ኣብያተ ትምህርቲ ገጠር ስራሕቲ ምውዳብን ምስፋሕን ኮምፒውተርን ላብራቶሪታትን ከምዝተሳለጡ ተዛሪበን።

ሓፈሻዊ ስርዓተ ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ዝተደገፈ ንምግባር ብዝተሳለጡ ተግባራት ውፅኢታት ተመዝጊቦም እዮም ኢለን።

ዘመኑ ናይ ሰብ ስራሕ ብልሒ  ዘመን ከም ምዃኑ መጠን እቲ ቴክኖሎጂ ምስ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ምትሕሓዝ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ንምርግጋፅ ወሳኒ ምዃኑ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እቲ ስርዓት ብሰብ ስራሕ ብልሂ ንምድጋፍ ሰፊሕ ስራሕቲ ምድላው ከምዝተሰርሑ ኣልዒለን።

እቲ ስግግር ቴክኖሎጂ ፀቕጢ ስራሕ መምህራን ብዝለዓለ ብርኪ ዝቕንስ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ፣ ግዘ ተምሃሮን መምህራንን ብምቑጣብ ፅሬት ትምህርቲ ብዘላቕነት ንምርግጋፅ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣብሪሀን።

ብተወሳኺ፣ እቲ ስግግር ምህዞ ናይ ክፍሊ ውሽጢ ትምህርቲ ዝበለፀ ሰሓብን ቀልጣፋን ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፣ መምህራን ብክእለት ዝበልፀጉን ንቴክኖሎጂ ዓለም ድሉው ዝኾነን ወለዶ ከፍርዩ የኽእሎም እዩ ኢለን።

ቴክኖሎጂ ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ልዑል ተራ ዘለዎ ብምዃኑ፣ ሃገራዊ ተበጻሕነቱ ንምስፋሕ ብትኹረት ይስራሕ ከምዘሎ እተን ሚኒስትር ድኤታ ኣረጋጊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም