እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ናፅነት ሓበሬታ መሰል ምርካብ ሓበሬታ ዜጋታት ንምሕላውን ግልፅነት ንምስፋንን ዓብዪ ረብሓ ኣለዎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 10/2018 (ኢዜኣ) ሓዱሽ ኣዋጅ ናፅነት ሓበሬታ መሰል ምርካብ ሓበሬታ ዜጋታት ንምሕላውን ግልፅነት ንምስፋንን ዓብዪ ረብሓ ከምዘለዎ ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ዋና ሓባሲት ንብዓት ትካል ሓባሲ ንብዓት ህዝቢ ኢትዮጵያ ስመኝ ውቤ፣ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ 18 ሰነ 2018 . ዘፅፅደቖ ኣዋጅ ናፅነት ሓበሬታ ቑፅሪ 1427/2018 ኣመልኪተን መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን፤ እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ዜጋታት ሓበሬታ ናይ ምሕታትን ናይ ምርካብን መሰሎም ብኣግባቡ ንኽክበር ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ፣ ቅድም ኢሎም ኣብ ዝነበሩ ክፍተታት ሕግን ኣፈፃፅማን ልዑል ለውጢ ከምዘምፅእ ገሊፀን።

ንልዕሊ 17 ዓመታት ተግባራዊ ክገበር ዝፀንሐ እቲ ነባር ኣዋጅ መሰል ምግላፅ ሓሳብን ሓበሬታ ናይ ምርካብ ናፅነትንን ኣብ ሐደ ኣጣሚሩ ብምሓዙ ኣብ ኣፈፃፀም ብርክት ዝበሉ ክፍተታ ከም ዝነበርዎ ተዛሪበን፡።

እቲ ሓዱሽ ኣዋጅ ኣብ 7 ክፍልታት፣ 60 ዓንቀፃትን 197 ንኡሳን ዓንቀጣትን ዝተወደበ ኮይኑ፣ ዘመናዊ ፅንሰ ሓሳባት ሰብኣዊ መሰላትን ዕብየት ቴክኖሎጂን ዝተኸተለ ምዃኑ ኣረዲአን።

እቲ ኣዋጅ ኣፈፃፅማ ናጽነት ሓበሬታ ውፅኢታዊ ንምግባር ብርክት ዝበሉ ድንጋጌታት ከምዝሓዘ ብምጥቃስ፣ ተፈጻሚነት እቲ ሕጊ ካብ ትካላት መንግስቲ ብተወሳኺ ምስ መንግስቲ ምትእስሳር ገንዘብ ዘለዎም፣ ኣብ መንግስታዊ ስራሕ ዝነጥፉን ብፅሒት መንግስቲ ዘለዎም ውልቃዊ ትካላትን እውን ዘጠቓልል እዩ ኢለን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ትካል ግልፂ ስርዓት ኣሰራርሓ ምዝርጋሕ ሓላፍነት ላዕለዎት ሓለፍቲ እቶም ትካላት ምዃኑ ብምግላፅ፤ ሓበሬታ ብሰነድ እንተዘይተወደበ እውን እንተሓቲቶም ብቓል ናይ ምሃብ ግዴታ ከምዘለዎም ጠቒሰን።

ትካላት ሓበሬታታት ብቕልጡፍ ንምሃብ ዘኽእል ዘመናውን ብኮምፒውተር ዝተደገፈን ስርዓት ኣተሓሕዛ ሰነድ ናይ ምስፋሕ ግዴታ ከምዘለዎም ከምዝተደንገገ እውን ኣመላኺተን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም