ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መጠቓለሊ ዓመት በጀት 2018 ዓ.ም ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 10/2018 (ኢዜኣ) ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መጠቓለሊ ዓመት በጀት 2018 ምክያድ ጀሚሩ።

ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፍኦ መልእኽቲ፤ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕቲ መጠቓለሊ ዓመት በጀት 2018 ምምሕዳር ከተማና ምክያድ ጀሚርና ኣለና ኢለን።

እቲ ንሰለስተ ተኸታተልቲ መዓልታት ዝፀንሕ መድረኽ ገምጋም ኣፈፃፅማ ኣብዚ በጀት ዓመት ንምፍፃም ዘቐመጥናዮም ሽቶታት፣ ከምኡ እውን በጀት ዓመት 2018 መጠቓለሊ ስትራቴጂካዊ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ብምዃኑ ምስ ኣፈፃፅማ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ኣተሓሒዝና ንግምግሞ ይኸውን ኢለን።

ከም ዝፍለጥ ኣብ ዝሓለፉ 5 ዓመታት ዝተለምናዮም ስትራቴጂካዊ ሽቶታት ብሙሉእ ዓቕሚ ንምትግባር ብተኣማንነትን ቅንዕናን ብዘይ ዕረፍቲ 24/7 ሰሪሕና ብዙሓት ውፅኢታት ኣመዝጊብና ኢና ክብላ እውን ገሊፀን።


 

ብፍላይ ድማ መዲናና ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘይጠቕሙ ኣጀንዳታት ኣውፂእና ማእኸል ልምዓትን ሰላምን ክትከውን ጌርናያ ኣለና ኢለን።

ከምኡ እውን ማሕበራዊ ፍትሒ ዝነገሰላ፣ ፅርይቲ፣ ሓምለወይትን ፅብቕትን እናኾነት ብምምፅኣ ቆላሕታ ዓለም ትስሕብ ኣላ ክብላ ጠቒሰን።

ብርግፅ ካብ ዓወታትና ብተወሳኺ ዘይተሳገርናዮም ማሕልኻታት ኣለዉና። ብፍላይ ፍልልይ ውፅኢታውነት ኣመራርሓ ፣ኣብ ኸተማና ዝረኣዩ ፀገማት ናብራን ፍልሰትን ብዕምቆት ንግምግሞ ይኸውን ኢለን።

ብዙሓት ዓወታት እኳ እንተመዝገብና ምስ ድልየት ልምዓት ህዝብናን ሽቶ ብልፅግናን ብዙሕ ስለ ዝተርፈና ዓወታትና ምስፋሕ፣ ማሕልኻታት ድማ ፈሊኻ ብምፍታሕ ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ዝበለፀ ዓወት ንምምዝጋብ ማእኸል ገምጋምና ክኸውን እዩ ኢለን፡።

ኣብ ኣንፈት መፃኢ ትኹረትና እውን ክንመያየጥ ኢና ክብላ ኣብ መልእኽተን ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም