ሞሪሺየስን ኢትዮጵያን ምትሕብባረን ከጠናኽራ ዝኽእላሉ ሰፊሕቲ ዕድላት ኣለዉ - ፕረዚደንት ሞሪሸስ ድሃራምቢር ጎኩል - ኢዜአ ትግርኛ
ሞሪሺየስን ኢትዮጵያን ምትሕብባረን ከጠናኽራ ዝኽእላሉ ሰፊሕቲ ዕድላት ኣለዉ - ፕረዚደንት ሞሪሸስ ድሃራምቢር ጎኩል
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 10/2018 (ኢዜኣ)፦ ሞሪሺየስን ኢትዮጵያን ኣብ ጥዕናን ትምህርትን ሓዊሱ ክልተኣዊ ምትእስሳረን ከጎልብታ ዝኽእላሉ ሓደሽቲ ዓውድታት ከምዘለዉ ፕረዚደንት ሞሪሸስ ድሃራምቢር ጎኩል ገሊፆም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ካብ 5 ሓምለ 2018 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ መንጎ ኣዲስ ኣበባን ፖርት ሉዊስን ኣብ ሰሙን ሰለስተ ግዘ ቀጥታ በረራ ተጓዓዝቲ ንምግባር ብዕሊ ኣጀሚሩ።
ፕረዚደንት ሞሪሺየስ ዳህራምቢር ጎኩል ምጅማር ቀጥታ በረራ እቲ ኣር መገዲ ኣመልኪቶም ንሚዲያ ፐልስ ኦፍ ኣፍሪካ (Pulse of Africa Media POA) ከምዝገለፅዎ፤ ጠንካራ ምትእስሳር ኣየር ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ኣፍሪካ ንምዕባይ ወሳኒ እዩ።
እቲ ኣየር መገዲ ናብ ሞሪሸስ ዝጀመሮ ቀጥታ በረራ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውድታት ቱሪዝም፣ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ልምዓት ሓይሊ ሰብን ሓደሽቲ ዕድላት ከምዝፈጥር ኣመልኪቶም።
ጠንካራ ምትእስሳር ኣየር ሙሉእ ኢኮኖሚያዊ ዓቕሚ ኣፍሪካ ንምጥቃም ወሳኒ ምዃኑ ብምግላፅ፣ እቲ በረራ ምጅማሩ ሕብረት ኣፍሪካ ዝበለፀ ዝተወሃሃደት ኣህጉር ንምፍጣር ዝሓዞ ራእይ ዘቀላጥፍ እዩ ኢሎም።
ኣብ ኣህጉር ኣፍሪካ ካብ ዘለዉ ዓበይቲ ብድሆታት እቲ ሓደ ምትእስሳር ዘይምጥንኻር እዩ ዝበሉ እቶም ፕረዚደንት፤ ሞሪሺየስ ምስ ኢትዮጵያ ብምርኻብ ናይ ነዊሕ እዋን ዕንቅፋት ኣፍሪካ ንምቕራፍ ጭቡጥ ስጉምትታት ትወስድ ከምዘላ ዘርኢ እዩ ኢሎም።
እቲ ሓዱሽ መስመር በረራ ካብ ተጓዓዝቲ ምጉዓዝ ሓሊፉ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ናይ ነዊሕ እዋን ሽርክነት ንምጥንኻር ዓብዪ ዓቕሚ ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።
ሞሪሸስ ንዓለምለኻውያን ሰብ ሀሳፍትን ትካላት ንግድን ቀንዲ መእተዊ ኣፍሪካ ንምዃን ትሰርሕ ከምዘላ ብምሕባር፤ ነዚ ራእይ ንምዕዋት ድልዱል ምትእስሳር ኣየር ምፍጣር ቁልፊ ተግባር ምዃኑ ገሊፆም።
መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ብዘለዎ ሰፊሕ ተበፃሕነት በረራ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ፍሰት ንግድን ኢንቨስትመንትን ብዓብዪኡ ከም ዘዕብዮ እውን ጠቒሶም።
መጓዓዝያ ፅዕነት ካብቶም ቀንዲ ዕንቅፋት ቀረብ ኣፍሪካ ሓደ ምዃኑ ብምሕባር፣ እቲ ሓዱሽ ሽርክነት ኣብቲ ኣህጉር ዘሎ ዝውውር ናውቲ ንምምሕያሽ ዓብዪ ተስፋ ከምዝህብ ተዛሪቦም።
መሰልጠኒ ኣቪዬሽን ኢትዮጵያ ንመንእሰያት ሞሪሺየስ ብኣብራሪነት ነፋሪት ሓዊሱ ብኻልኦት ዓውድታት ሞያ ኣቪዬሽን ዝለዓለ መዕበዪ ዓቕምን ዕድላት ስልጠናን ከምዝኸፍት ኣመላኺቶም።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣብ ዓውድታት ትምህርቲ፣ ጥዕናን ሰማያዊ ቁጠባን (Blue Economy) ፍልጠት፣ ቴክኖሎጅን ተመክሮን ንምልውዋጥ ብሓባር ንምስራሕ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ገሊፆም።