ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ በደልን ጭቆናን ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ 11 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ በደልን ጭቆናን ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ 11 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ እዩ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 10/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንዘብፅሖ ዘሎ በደልን ጭቆናን ዝኹንን ሰላማዊ ሰልፊ 11 ሓምለ 2018 ዓ/ም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ሰዓት 12 ንጉሆ ጀሚሩ ከም ዘካይድ ኣፍሊጡ።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብ ክልል ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግዱድ ወታደራዊ ግፋን ምልመላን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ እቲ ክልል ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው እናስዓበ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሩ።
መተሓባበሪ ሚድያን ርክብ ህዝብን እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፤ “ግፋ ጠጠው ይበል፣ ሰላም ይስፈን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መስቀል ኣደባባይ ከም ዝካየድ ተዛሪቦም።
ነዚ ሰልፊ ዝፀውዐ ቤት ምኽሪ ሰላምን ለውጥን ትግራይ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መተሓባበርቲ እቲ ሰልፊ ነቲ ምድላው ካብ ዝምልከቶ ኣካል መንግሥቲ ሕጋዊ ኣፍልጦን ፍቓድን ከም ዝረኸቡ ገሊፆም።
እቲ ሰላማዊ ሰልፊ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግብሮ ዘሎ እኩይ ተግባር ንምቅላዕ ዝዓለመ እዩ ኢሎም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ መናእሰይ ትግራይ ዝፍፅሞ ዘሎ ግፋን ዘብፅሖ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምኡ እውን ዘብፅሖ ዘሎ ስነ ልቦናዊ ፅዕንቶ ብፅኑዕ ዝቃወም ከም ዝኾነ እውን ወሲኾም ኣረዲኦም።
እቲ ጉጅለ ንመናእሰይ ብሓይሊ ብምግፋፍ ህዝቢ ናብ ዳግማይ ህልቂት ንምእታው እናተዳለወ እዩ ዝርከብ እውን ኢሎም።
ኣብቲ ክልል ዘላቒ ሰላም ንክዓስል፣ መንግስቲ ፌዴራል ኣብቲ ክልል ሕጊ ንከኽብር ከምኡ እውን እቲ ጉጅለ ስምምዕ ሰላም ብዝተማልአ ኩነታት ተግባራዊ ንክገብር ኣብቲ መዓልቲ መልእኽቲ ከም ዝመሓላለፍ እውን ገሊፆም።
ኣብቲ ሰልፊ ኣብ ከተማ ኣዲኣ ኣበባን ከባቢኡን ዝነብሩ ተወለድቲ ትግራይን ኩሉ ደላይ ሰላም ኢትዮጵያውን ንክሳተፉ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ህዝቢ ትግራይ እውን ኣብቲ መዓልቲ ካብ ገዝኡ ብዘይ ምውፃእ ተኻፋሊ እቲ ተቓውሞ ንክኸውንን ደገፉ ብተግባር ንክገልፅን እቶም መተሓባበርቲ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።