ቅድሚ ሕዚ ብኣምባገነንነት ዝግለፅ ዝነበረ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ኣሸባሪነት ተሰጋጊሩ ይርከብ-ኣይተ ገብሩ ኣስራት

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 9/2018(ኢዜኣ) ቅድሚ ሕዚ ብኣምባገነንነት ዝግለፅ ዝነበረ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ብምርዓድ ናብ ኣሸባሪነት ተሰጋጊሩ እዩ ዝርከብ ክብሉ ፈላማይ ፕሬዚዳንት ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ኣይተ ገብሩ ኣስራት ገሊፆም።
ፈፃሚ ስራሕ ውድብ ዓረና ንሉኣላዊነትን ዲሚክራስን ኣይተ ገብሩ ኣስራት ኣብ እዋናዊ ኩነታት ትግራይ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንጉጅለኣዊ ጥቕሙ ክብል ምስ ፀላኢ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ ሻዕብያ ተፀሚዱ ንመንእሰይ ትግራይ እናገፈፈ ንመሸጣ እናቕረቦ ከም ዝርከብ ተዛሪቦም።
ሻዕብያ ንህወሓት ጥራሕ ዘይኮነስ ንህዝቢ ትግራይ ከጥፍእ እዩ ዝፅዕር ዝበሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት፤ ነዚ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ዝፈፀሞ ጨፍጫፍን ዕንወትን መረጋገፂ እዩ ኢሎም።
ሻዕብያ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝነበሮ ሕልሚ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ዝኾለፎ ድማ እቲ ስምምዕ ምስ ተፈረመ ብዕሊ ተኾሊፍና ከም ዝበለ ዝፍለጥ እዩ ክብሉ እውን ወሲኾም ፀሪሖም።
ሻዕብያ ሕዚ እውን ትግራይ ማእኸል ኲናት ንምግባር ብሽም ፅምዶ ምስቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ተፀሚዱ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ እናሰርሐ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።
ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን መናእሰይ ንኲናት ሱዳን እናሸጠ ከም ዝርከብ ብምሕባር፤ እዚ ተግባር ድማ ካብ ሻዕብያ ዝወረሶ ናይ ኣሸበርቲ ስራሕ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
ጉጅለ ህወሓት ካብ ስሕተቱ ክመሃር ዘይከኣለን ዘይኽእልን ሓይሊ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ካብ ሕሉፍ ከይተምሃረ ሕዚ እውን ምስ ፀላኢ ትግራይን ኢትዮጵያን ዝኾነ ሻዕብያ ብሽም ፅምዶ ጥምረት ፈጢሩ ኣንፃር ህዝብን ዓድን እናሰርሐ ይርከብ ኢሎም።
ፖለቲካውን ወታደራውን መራሕቲ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ካብ መጀመርታ ጀሚሮም ከም ዘይተቐበልዎ ብምሕባር፤ ነዚ ድማ እቲ ስምምዕ ስዒቡ ንዝተጣየሸ ግዝያዊ ምምሕዳር ከይሰርሕ ብምግባርን ኣብ መወዳእታ ድማ ክልተ ግዝያዊ ምምሕዳር ብምፍራስን ስልጣን እቲ ክልል ብሓይሊ ተቖፃፂሮም ከም ዝርከቡ ገሊፆም።
ቅድሚ ሕዚ ብኣምባገነንነት ዝግለፅ ዝነበረ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝቢ ብምርዓድ ናብ ኣሸባሪነት ተሰጋጊሩ ከም ዝርከብ እውን ኣረዲኦም።
ኣሸበርቲ ጉጅለታት ድማ ሰባት ብምሻጥን ብምዝውዋርን ከምኡ እውን ዘይሕጋዊ ዕደና መኣድን ብምፍፃም ኣታዊ ከም ዝረኽቡ ብምሕባር፤ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ እውን መናእሰይ ብምግፋፍን ኣርምታት ብዝተወደበ መንገዲ ናብ ሱዳን ብምሻጥን ኣታዊ እናረኸበ ከም ዝርከብን እዚ ድማ መግለፂ ሓደ ኣሸባሪ ጉጅለ ከም ዝኾነን ኣረዲኦም።
ብሰንኪ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ዘውፅኦ ዘይሕጋዊ ኣዋጅን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝገብሮ ዘሎ መስካሕክሒ በደልን ህዝቢ ትግራይ ኣብ ከቢድ ቅልውላው ከም ዝርከብን መንእሰይ ትግራይ እውን ዓዱ ገዲፉ እናወፀ ከም ዝኾነን ተዛሪቦም።
ዕላማ ሻዕብያን ጉጅለ ህወሓትን ኢትዮጵያ ምፍራስ እምበር ንህዝብን ዓድን ዝጠቅም ሓባራዊ ዕላማን ስምምዕን ከም ዘይብሎም እውን ኣብራህሪሆም።
ጉጅለ ህወሓት ኣብዚ ሕዚ እዋን ንትግራይ ማእኸል መሸጣ ዕጡቓት እናገበራ እዩ ዝርከብ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ይብሉ ኣይተ ገብሩ ኣስራት፤ ኣብ ትግራይ ንዘለዉ ኩሎም ሓይልታት ዘሳተፈ ምምሕዳር ምፍጣርን መላእ ህዝቢ ትግራይ ኣንፃር ኲናት ዝገብሮ ዘሎ ሰላማዊ ቃልሲ ተጠናኺሩ እንተቐፂሉን ከምኡ እውን ናብ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምምላስን ቀንዲ መፍትሒ ፀገም ትግራይ ከም ዝኸውን ሓቢሮም።
ኣባላት ሰራዊት እውን ካብ ቅድሚ ሕዚ ተማሂሮም ኲናት ኣብ መወዳእታ ኣብ ወንበር ብሰላም ከም ዝዛዘም ተረዲኦም እምቢ ንኲናት ክብሉ ኣለዎ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም