ዩኒቨርሲቲ ቡሌሆራ ንተበፃሕነት ስራሕቲ ምርምሩ ምስ ኢዜኣ ዘለዎ ምሕዝነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ 9 ሓምለ 2018 (ኢዜኣ) ዩኒቨርሲቲ ቡሌሆራ ኣብ ምርምርን ሃገር-በቆል ፍልጠትን ዘሳልጦም ስራሕቲ ተበፃሕነቶም ንምስፋሕ ምስ ኢዜአ ዘለዎ ምሕዝነት ኣጠናኺሩ ክቕፅል እዩ ክብሉ ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ተመስገን ደበሎ (/) ገሊፆም።

ዩኒቨርሲቲ ቡሌሆራን የኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎትን ኣብ ተበፃሕነት ስራሕቲ ምርምርን ሃገር-በቆል ፍልጠትን ብሓባር ንምስራሕ ተሰማሚዖም።

ፕረዚደንት እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ እዋን እቲ ስምምዕነት ከም ዝገለፅዎ፤ ኢዜኣ ሰፊሕ ተበፃሕነት ዘለዎን ፅልዋ ፈጣሪ ትካል መራኸቢ ሓፋሽ ብምዃኑ እቲ ስምምዕነት ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዓብዪ ዋጋ ዘለዎ እዩ።

እቲ ዩኒቨርሲቲ ካብቶም ዩኒቨርሲታት ሳልሳይ ወለዶ ከም ዝምደብ ዝጠቐሱ እቶም ፕረዚደንት፤ ስራሕቲ ምምሃርን ምስትምሃርን፣ ምርምርን ኣገልግሎት ማሕበረሰብን ብስፍሓት እናካየደ ከም ዝርከብ እውን ሓቢሮም።

ብፍላይ ድማ ኣብ ሕርሻ፣ ማዕድንን ምስ ስርዓት ገዳ ተተሓሓዝነት ዘለዎም ሃገር-በቆል ፍልጠታት ምስ ዘመናዊ ስርዓት ትምህርቲ ብምውዳድ፣ ንዕቤት እታ ሃገር ዝግበኦ ግደ እናተፃወተ ከም ዝርከብ ኣረዲኦም።


 

እቲ ስምምዕነት እቲ ዩኒቨርሲቲ ዘሳልጦም ተግባራት ብብርኪ ሃገርን ዓለም ለኸን ብሰፊሑ ንምልላይ፣ ከምኡ እውን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ዘለዎ ርክብ ዝያዳ ንምጥንኻር ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዝፈጥር ዶክተር ተመስገን ገሊፆም።

ዋና ፈፃሚ ስራሕ የኢትዮጵያ ዜና ኣገልግሎት ሰይፈ ደርቤ ብወገኖም፤ ንልዕሊ 85 ዓመታት ዝኻዕበተ ተመክሮ ዘለዎ ኢዜኣ፣ ኣብ ከይዲ ለውጢ ከምዝርከብ ብምዝኽኻር ክልቲኦም ትካላት ዝፈፀምዎ ስምምዕነት ዝሓዝዎም ሓባራዊ ሸቶታት ንምስኻዕ ወሳኒ ምዕራፍ ምዃኑ ገሊፆም።

ኣብ ከባቢ ዩኒቨርሲቲ ቡሌሆራ ዝርከቡ ዕቑር ተፈጥሮ ፀጋታትን ሃገር-በቆል ፍልጠታትን ብብርኪ ኣህጉር ንምልላይ፣ ኢዜኣ ኣብቲ ዓውዲ ካብ ዘለዎ ዝልዓለ ዓቕሚ ኣንፃር ተመራፂ መሻርኽቲ ምዃኑ እውን ኣረዲኦም።

እቲ ስምምዕነት ብኣምር መደመር  ሃገር-በቆል ፍልጠት ተጠቒምካ ብልፅግና ንምርግጋፅ ንዝተታሕዘ ሸቶ ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ኣገንዚቦም።

ኢዜኣ ካብ ስራሕቲ ዜና ብተወሳኺ ኣብ ዓለም ለኻዊ ምርምር፣ ዶክመንተሪታትን ዝተፈላለዩ መደባትን ብትኹረት ይሰርሕ ከምዘሎ ብምጥቃስ፤ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣብ ኣፍሪካ ፍሉጥ ተጠቓሲ ትካል ንምዃን ንዝገብሮ ፃዕሪ ደጋፊ ከምዝኸውን ኣመልኪቶም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም