ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ብኣርኣያነት ዝጥቀስ ትካል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ብብርኪ ኣፍሪካ ብኣርኣያነት ዝጥቀስ ትካል ምዃኑ ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምክልኻልን ምቑፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ዶክተር ዣን ካሴያ ገሊፆም።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ መበል 100 ዓመት በዓል ምስረታኡ የኽብር ኣሎ።

ዋና ዳይሬክተር ማእኸል ምክልኻልን ምቑፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ዶክተር ዣን ካሴያ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፣ እቲ ትካል ብብርኪ ኣህጉር ሞዴል ምዃኑ ጠቒሶም።

እቲ ኢንስቲትዩት ሰፊሕ ጉዕዞ ለውጢ ብምግባር ብማእኸል ምክልኻልን ምቑፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ካብ ዝእመነሎም ማእከላት ልህቐት ሓደ ክኸውን ከምዝኽኣለ ገሊፆም።

እቲ ኢንስቲትዩት ለበዳታት ኣቐዲሙ ብምክልኻል ከምኡ እውን እንተጋጥም   ብቕልጡፍ ኣብ ምቁፅፃር መዳይ ዝሃነፆ ዓቕሚ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ዓቢይ ኣርኣያ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ኣብ ኣፍሪካ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ   ዝነበረን ሃገራት ብቑፅሪ 12 ጥራሕ እንትኾና፣ ኣብዚ እዋን ቁፅሪ እተን ትካላት ናብ 40 ከምዝዓበየ ብምዝኽኻር ነዚ ዕብየት ተሞክሮ ኢትዮጵያ ዓቢይ ግደ ከምዝነበሮ ገሊፆም።

እታ ኣህጉር ብቐፃሊ ቁፅሪ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ናብ 50 ንምብፃሕ ሽቶ ዘቐመጠት እንትትኸውን ፣ኢትዮጵያ ኣብዚ ከይዲ ከም ቀንዲ ሞዴል ኮይና ከምተገልግል ኣረዲኦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም