ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዘይብዳህ ሓምለዋይ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣርእያ እያ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዘይብዳህ ሓምለዋይ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣርእያ እያ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 9 /2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዘይብዳህ ሓምለዋይ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ከምዘርኣየት ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ፍቃዱ ፀጋ ገሊፆም።
ኣብ ኢትዮጵያ ንምጥንኻር ኢንተርፕራይዛት ኣናእሽቱን ማእኸሎትን ሓምለዋይ ማኑፋክቸሪንግ ንዝተቐረፀ ፕሮጀት ምርምር መጀመሪ መኽፈቲ ዓውደ መፅናዕቲ ይካየድ አሎ።
ኣብ መኽፈቲ እቲ ዓውደ መፅናዕቲ ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት መፅናዕቲ ፖሊሲ ፍቃዱ ፀጋ ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ንለውጢ ኣየር ንብረት ዘይበዳህ ሓምለዋይ ስትራቴጂ ኢኮኖሚ ብምቕራፅ፣ ንሓምለዋይ ልምዓት ዘለዋ ቆራፅነት ብተግባር ኣርእያ እያ።
እዙይ ድማ ኣብ ምስፍሕፋሕ ተሓዳሲ ሓይሊ፣ ኣብ ዘላቒ ሕርሻን ኣብ ምንቅስቓሳት ንሓለዋ ከባቢ ተስማዕማዕቲ ዝኾኑ ኢንዱስትሪታት ብግልፂ ከምዝንፀባረቕ ገሊፆም።
ሓምለዋይ ኢኮኖሚ ምህናፅ ናይ መንግስቲ ፃዕሪ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኩሎም ወገናት ንጡፍ ተሳትፎ ከምዝሓትት ሓቢሮም።
ኣናእሽቱን ማእኸሎትን ኢንተርፕራይዛት ማኑፋክቸሪንግ ምስታፍ ወሳንን መተካእታ ዘይብሉን ተግባር ምዃኑ ብምግላፅ፤ እቶም ኢንተርፕራይዛት ንስግግር ኢንዱስትሪ ኢትዮጵያ ፣ ንስራሕ ዕድል ፈጠራ፣ ንዕቤት እሴት ሰንሰለት፣ ንፍርያት ውሽጢ ዓዲን ከምኡ እውን ንብዙሕነት ኢኮኖሚ ዓቢይ እጃም ከምዘለዎም ኣገንዚቦም።
ብዙሓት ኣናእሽቱን ማእኸሎትን ኢንተርፕራይዛት ናብ ሓምለዋይ ልምዓት ኣብ ዝገብርዎ ጉዕዞ ፈተናታት የጋጥሞም ከምዘሎ እውን ጠቒሶም።
ሎሚ ዘተ ዝግበረሉ ዘሎ ፕሮጀክት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ኢንተርፕራይዛት ሓምለዋይ ማኑፋክቸሪንግ ብመፅናዕትን ምርምርን ብምግምጋም፣ ኣብ ጭቡጥ ሓበሬታ ዝተመስረቱ ምኽረ ሓሳባት ከምዘቕርብ ኣፍሊጦም።
ቀንዲ ዕላማ እቲ መፅናዕቲ እዋናዊ ኩነታት ሓምለዋይ ስግግር እቶም ኢንተርፕራይዛት ፣ ዕድላትን ብድሆታትን ብግልፂ ምርኣይ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ንሓምለዋይ ልምዓት ኢንዱስትሪ ዘድልዩ ማዕቐፋት ፖሊሲ፣ ሕጊ፣ ፋይናንስን ቴክኒካዊ ድገፍን ከምዝፈልዩ እውን ጠቒሶም።
ንዕቤትን ተወዳዳርነትን እቶም ኢንተርፕራይዛት ዝሕግዝ ምቹው ሃዋህው ንምፍጣር፣ እጃም ነብሲ ወከፍ መዳርግቲ ኣካላት ግደታን እጃምን እንታይ ክኸውን ከምዘለዎ ኣብቲ መፅናዕቲ ብዕምቆት ከምዝፍተሽ አብራሪሆም።