ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ብዝሓለፈ ኩርዓት ኣህጉርና እዩ-ዶክተር መቅደስ ዳባ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ብዝሓለፈ ኩርዓት ኣህጉርና እዩ-ዶክተር መቅደስ ዳባ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 9/2018 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ካብ ሃገር ብዝሓለፈ ኩርዓት ኣህጉርና እዩ ክብላ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ገሊፀን።
መበል 100 ዓመት በዓል ምስረታ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ይኽበር ኣሎ።
ኣብቲ በዓል፤ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ታዬ ኣፅቀስላሴን ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባን ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ፣ዓለም ለኸ ተወከልቲ ዓውዲ ጥዕናን መዳርግቲ ኣካላትን ተረኺቦም።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ኣብዚ እዋን፤ እቲ ኢንስቲትዩት ንዝሓለፉ 100 ዓመታት ኣብ ታሪኽ ጥዕና እታ ሃገር ታሪኻዊ እጃም ከም ዘበርከተ ሓቢረን።
ኣብ ውሽጢ እቲ ኢንስቲትዩት ዝርከቡ ተመራመርቲ፣ ሰብ ሞያ ዑደት፣ ተንተንቲ ሓበሬታ፣ ወሃብቲ ምላሽ እዋን ሓደጋን ሰራሕተኛታት ወሃብቲ ድጋፍን ንዘበርክትዎ ልዑል እጃም እውን ንኢድን።
እቲ ትካል እታ ሃገር ኣፀጋሚ ፈተናታት ጥዕና ኣብ ዘሕለፈትሎም እዋናት ዘርኣዮ ተጋድሎ ዓብይን ዝነኣድን እዩ ኢለን።
ዓቕሚ ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ኣብዚ ሕዚ እዋን ካብ ሃገር ከም ዝሓለፈ ብምግላፅ፤ እቲ ትካል ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ንኣፍሪካ እውን ዓብይ ኣስተዋፅኦ እናበርከተ ዝርከብ ኣህጉራዊ ኩርዓት ከም ዝኾነ ተዛሪበን።
መንግስቲ ፍትሓዊነት ዓውዲ ጥዕና ንምርግጋፅን ፅሬት ንምምሕያሽን ብዋናነት ብርክት ዝበሉ ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝርከብ እውን ኣረዲአን።
ዓለም ሓደሽትን ዝተሓላለኹን ስግኣታት ጥዕና ከም ዘለውዋ እናረኣና ኢና ዝበላ እተን ሚኒስትር፤ እዞም ዝተሓላለኹ ስግኣታት ንምምካት ሓደጋ ቀዲሙ ዝፈሊ፣ ብቕልጡፍ ዘጠንቅቕ፣ ብሳይንስ ዝትንትንን ብዝተዋደደ መልክዑ ምላሽ ዝህብን ጠንካራ ትካላዊ ዓቕሚ ምህናፅ ምዃኑ ትኹረት ተዋሂቡ እናተሰርሐ እዩ ኢለን።
ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ሃገራውን ዓለም ለኻውን ልኡኽቶታቱ ብተኣማንነትን ብብቕዓትን ንክዋፃእ ሚኒስቴር ጥዕና ዝገብሮ ኣድላይ ደገፍ ፖሊሲ፣ ኣመራርሓን ህንፀት ዓቕምን ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ ኣረጋጊፀን።