ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ ኣሰራርሕኡ ብምዝማን ጭቡጥ ለውጢ ኣምፂኡ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 9 /2018 (ኢዜኣ) ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ኢትዮጵያ እዋኑ ዝጠልቦ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብምስፋሕ፣ ኣሰራርሕኡ ብምዝማንን ምቹው ከባቢ ስራሕ ብምፍጣርን ዕግበት ተገልጋሊ ዘዕብዩ ጭቡጣትን ለውጥታት ከም ዘምፅአ ዋና ዳይሬክተር እቲ ትካል ሰላማዊት ዳዊት ገሊፀን።

ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ኢሚግሬሽንን ዜግነትን ሰላማዊት ዳዊት፤ እቲ ትካል ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዓመት ዘሳለጦም ተግባራት ኣመልኪተን ንመራኸብቲ ሓፋሽ መግለፂ ሂበን።

ኣብ መግለፂአን እቲ ትካል እዋኑ ዝጠልቦ ኣጠቓቕማ ቴክኖሎጂ ብምስፋሕ፣ ኣሰራርሕኡ ብምዝማንን ምቹው ከባቢ ስራሕ ብምፍጣርን ዕግበት ተገልጋሊ ዘዕብዩ ጭቡጣትን ለውጥታት ከም ዘምፅአ ሓቢረን።

ኣገልግሎት ፓስፖርትን ቪዛን ሓዊሱ ካልኦት ሰነዳት መሕለፊ ብዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተደጊፎም ብፅሬትን ብውሕስነትን ክፈርዩ ከም ዝተገብሩ ገሊፀን።

በዙይ  ድማ ኣብዚ በጀት ዓመት ልዕሊ 1 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ፓስፖርትታት ተሓቲሞም ንዜጋታት ከም ዝተዓደሉ ጠቒሰን።

ማእኸላት መውሃቢ ኤሌክትሮኒክ ፓስፖርት ካብ ዝነበርዎ 12 ናብ 23 ብምዕባይ ተበፅሕነቱ ምስፋሕ ከም ዝተኽእለ ብምግላፅ፤ ብኣየርን ብምድርን ኣብ ዝርከቡ ጣብያታት መቖፃጸሪ ዶብ ንልዕሊ 7 ሺሕ ተጓዓዝቲ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ከም ዝተውህበ ኣረዲአን።

ኣወዳድባን ልምዓትን ሓይሊ ሰብ እቲ ትካል ብምምሕያሽ ኣገልግሎቱ ዝያዳ ውፅኢታዊ ንምግባር ዝተሰርሑ ስራሕቲ  ለውጢ ንምርግጋፅ ወሰንቲ ከም ዝነበሩ እውን ገሊፀን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም