ፅልዋታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ንምፅዋር ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ጭቡጥ ተግባር ክቕየሩ ኣለዎም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 8/2018(ኢዜኣ) ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘስዕቦም ኣሉታዊ ፅልዋታት ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ዝጭበጥ ተግባር ምቕያር ኣድላይ እዩ ክብሉ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቴዎስ ገሊፆም።

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃእን ፕሬዚዳንት ኮፕ 32ን ጌዲዎን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ሎሚ ምስ ፕሬዚዳንት ኮፕ 21 ዝኾኑ ሎረን ፋቢየስ ዘትዮም።

ኣብቲ ዘተ እውን ሎረን ፋቢየስ ኣብ ዓለም ለኸ ምክልኻል ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዓብይ ዓወት ዝተመዝገበሉ ስምምዕ ፓሪስ ብምፅዳቕ ዝተዛዘመ ኮፕ 21 ዝመርሕሉ ልምዲ ኣካፊሎም።

ብተወሳኺ እውን ንኮፕ 32 ዝግበሩ ምድላዋት ከምኡ እውን ዕዉት ጉባኤ ኮፕ 32 ንምክያድ ኣስተዋፅኦ ክህልዎም ዝኽእሉ ጉዳያትን ካብ ዝሓለፉ ጉባኤታት ዝተረኸቡ ልምድትታን ግንዛበታትን ትኹረት ዘተ እቶም መራሕቲ ከም ዝነበረ ተገሊፁ።


 

ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዎን ጢሞቴዎስ(ዶ/ር) ስምምዕ ፓሪስ ንዓለም ለኸ ስጉምትታት ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘለዎ ዘላቒ ረብሓ ብምግላፅ፤ ለውጢ ከባብያዊ ኣየር ዘስዕቦም ኣሉታዊ ፅልዋታት ንምፅዋር ዝተኣተዉ ቃላት ናብ ጭቡጥ ተግባር ምቕያር ኣድላይ እዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ በዓል ብዙሕ ወገን ዲፕሎማሲ እምነት ዘጠናኽር፣ ግልፂ፣ ሓቛፍን ብኣባል ሃገራት ዝምራሕን ከይዲ ኮፕ 32 ተግባራዊ ንምግባር ዘለዋ ቆራፅነት ደጊሞም ኣረጋጊፆም።

ኣብ ትሕዝቶን ድርድርን፣ሎጂስቲክስን ኦፕሬሽንን፣ ምሕዝነት ከምኡ እውን ሚድያን ኮሙኒኬሽንን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ብመዳይ ምድላው ዝተመዝገቡ ዝጭበጡ ዕቤታት እውን ኣብራህሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም