ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ንፅባሕ ከም ትኸውን ኮይና ንኽትህነፅ ተኣኪባ ኣላ፡- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ንፅባሕ ከም ትኸውን ኮይና ንኽትህነፅ ተኣኪባ ኣላ፡- ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ
ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ /8/2018 (ኢዜኣ)፦ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ንፅባሕ ከም ትኸውን ኮይና ንኽትህነፅ ተኣኪባ ኣላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ ገሊፆም፡፡
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ተጀሚሩ ።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ተመስገን ጥሩነህ እቲ ጉባኤ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ሊሂቓን ብዝፍጠርዎ ግጭት ህዝብና እንተተሓመሰ እውን ባህልና ግን ናብ ምኽክር ዘዘንበለ ነይሩ ኢሎም።
ገዛና፣ መሶብና፣ ኣቀማምጣና፣ መብሰሊና ወዘተ. ክብ እዮም ክብል እውን ወሲኾም ገሊፆም ።
እዙይ ድማ ነገራት እክብ ኢልካ ብምምኽኻር ንምስላጥ ክጥዕም ዝተሰርሐ እዩ ዝበሉ እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም ፤ ክቢ መበገስን መወዳእታን የብሉን፣ ርሑቕን ቐረባን የብሉን፤ ወፃእን ኣታውን የብሉን እውን ንኹሉ ብማዕርነት ዘሳትፍ ከም ዝኾነ ኣመላኺቶም።
ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ወሲኾም እዚ ዝተረስዐ ባህልና ናብ ሃገራዊ ምኽክር ኣምፂኢናዮ ኣለና፣ ኢትዮጵያውያን ካብ ኣርባዕቲኡ ኩርናዓት መፂኦም ብሓባር ይመኽሩ ኣለዉ እውን ኢሎም እሺ ይሓይሽ ዝበለ ኹሉ ዕድል ተዋሂብዎ ኣሎ ኢሎም።
እንሆ ኢትዮጵያ ብኢትዮጵያውያን ንፅባሕ ከም ትኸውን ኮይና ንኽትህነፅ ተኣኪባ ኣላ፣ናይ ሃገር ፀሎት፣ ልብን እዝንን ምሳኻትኩም እዩ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም፡፡