እቲ ሃገራዊ ምኽክር ፖለቲካው ስልጣን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብድሌት ህዝቢ ጥራሕ ዝርከበሉ ስልጡን ስርዓት ንምህናፅ መሰረት ዝንፀፈሉ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ፖለቲካው ስልጣን ብሓይሊ ዘይኮነስ ብድሌት ህዝቢ ጥራሕ ዝርከበሉ ስልጡን ስርዓት ንምህናፅ መሰረት ዝንፀፈሉ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ ስልጣን ብብረት ዘይኮነስ ብዝሰልጠነ ባህሊ ፖለቲካን ብድሌት ህዝቢን ጥራሕ ዝርከበሉ ስርዓት ንምህናፅ መሰረት ዝንፀፈሉ እዩ ክብሉ ኣቦ መንበር ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ ተጀሚሩ ።
ኣብቲ መድረኽ መደረ ዘስምዑ ኣቦ መንበር ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ቤት ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሰለሞን ኣየለ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉባኤ ታሪኻውን ዓብዪ ተስፋ ዝግበረሉን እዩ።
ህዝብታት ኢትዮጵያ ብሃንቀውታ ክፅበይዎ ዝፀንሑ እቲ ጉባኤ ናይዚ ዘመን እዚ ወለዶ ጋህዲ ከምዝገበሮ ጠቒሶም።
እቲ ጉባኤ ስልጣን ፖለቲካ ብብረት ዘይኮነስ ብስልጡን ባሕሊ ፖለቲካን ድሌት ህዝብን ዝርከበሉ ስርዓት ንምህናፅ መሰረት ዝንበረሉ መድረኽ ምዃኑ እውን ሓቢሮም።
እታ ሃገር ዓንኬል ካብ ጎንፂ ብምውፃእ ፍልልያት ፖለቲካ ብዘተ ንምፍታሕ ዘኽእል ባህሊ ንምህናፅ ዝግበር ዘሎ ዓብዪ ጉዕዞ ምዃኑ እውን ገሊፆም።
ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራዊ ጉዳያት ዙርያ ምርድዳእ ኣብ ምፍጣርን ብሰላማዊ ፖለቲካዊ ቃልሲ ሃገር ኣብ ምጽናዕ አንፃር ብዙሓት ስራሕቲ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።
ሃገራዊ ምኽክር ፍልልያት ፖለቲካ ኣብ ዙርያ ጠረቤዛ ኮይንካ መፍትሒ ዝድልየሉ፣ ናይ መሰራሒ ህንፀት ሰላምን መሳለጢ ስግግር ፖለቲካ ምዃኑ ኣገንዚቦም።
ኣባላት ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ውድባት ፖለቲካ ኢትዮጵያን ዝኾኑ ውድባት ፖለቲካን ሎሚ መዓልቲ ዝተጀመረ ሃገራዊ ምኽክር ክዕወትን እቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ሙሉእ ብሙሉእ ክሳብ ዝዛዘም ናይ ባዕሎም እጃም ከምዝወፅኡ ኣረጋጊፆም፡፡