ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ላዕለወይቲ ተወካሊት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃእን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ካያ ካላስ ዘትዮም


ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ምስ ላዕለወይቲ ተወካሊት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃእን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ካያ ካላስ ዘትዮም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ንላዕለወይቲ ተወካሊት ፖሊሲ ጉዳይ ወፃእን ድሕንነትን ሕብረት ኣውሮፓ ካያ ካላስ ሎሚ ተቐቢለ ውፅኢታዊ ዘተ ገይርና ኢሎም።
ኣብ መንጎ ሕብረት ኣውሮፓን ኣፍሪካን ዘሎ ርክብ ኣብ ምጥንኻር ከም ዝዘተዩ ብምግላፅ፤ ኣብ ሓባራዊ ረብሓታትን ቀዳምነት ዝወሃቦም ቁልፊ ጉዳያትን እውን ሓሳብ ከም ዝተለዋወጡ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ትኹረት ዝደልዩን ዞባወን ጉዳያት መሰረት ኣብ ዝገበረ ዘትኦም፤ ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባር ብዝበለፀ ንምዕባይን ንምስፍሕፋሕን ኣብ ዘኽእሉ መንገድታት ከም ዝዘተዩ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም