እቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ዝተለመቶ ሽቶ እተዐውተሉ ዓብይ ዕድል እዩ-ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ክትበፅሖ ዝተለመቶ ሽቶ እተዐውተሉ ዓብይ ዕድል እዩ-ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ) እቲ ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዝሓንፀፀቶም ሽቶታት ምዕዋት ዘኽእል ዓብይ ዕድል ከም ዝኾነ ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያን ፍሉይ ቺፍ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካን ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተሳለጠ እዩ ዝርከብ።
ነበር ፕሬዚዳንት ናይጄሪያን ፍሉይ ቺፍ ልኡኽ ቀርኒ ኣፍሪካ ሕብረት ኣፍሪካን ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ሎሚ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ንኢትዮጵያ ጥራሕ ዘይኮነስ ነቲ ዞባን ኣፍሪካን ታሪኻዊ ዝበሃል እዩ።
ኢትዮጵያን ናይጄሪያን ውሽጣዊ ፀገማተን ብዘተን ዝርርብን ንምፍታሕ ዝመረፅኦ መንገዲ ከም ዘመሳስለን እውን ሓቢሮም።
ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽክር ኣብዚ ታሪኻዊ ዝላ ኮይኑ ንዘሳለጦም ስራሕትን ምድላዋትን ንኢዶም።
ኢትዮጵያ ህዝባ፣ ሃፍቲ ተፈጥሮኣን ዓውዲ ኢኮኖሚኣን ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ዕድላትን ኣማራፅታትን ዘለውዋ ሃገር ከም ዝኾነት እውን ኣመላኺቶም።
ስርናይ ካብ ወፃኢ ምእታው ኣቋሪፃ ብናይ ባዕላ ዓቕሚ ካብ ምፍራይ ብተወሳኺ ናብ ወፃኢ ክሳብ ምልኣኽ ከም ዝበፅሐት ዝገለፁ እቶም ቺፍ ፍሉይ ልኡኽ፤ እዚ ድማ ማእኸል ምግቢ ኣፍሪካ ንክትኸውን ዘኽእላ እዩ ኢሎም።
ኢትዮጵያ ትልምታታን ጅማሮታታን ጋህዲ ንምግባር ዕዉት ሃገራዊ ከይዲ ምኽክር ምስላጥ ከም ዝግበኣ ኣረዲኦም።
እቲ ሃገራዊ ምኽክር ቀፃሊ ሽቶታት ኢትዮጵያ ንምዕዋት ርኡይ ኣስተዋፅኦ ከም ዘለዎ ብምሕባር፤ እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪካን ዓለምን ንዘለዋ እጃም መሪሕነት ከም ዘዕብዮ ገሊፆም።