ፍልልያት ብምኽክር ምፍታሕ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ክኸፍት እዩ - ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ፍልልያት ብምኽክር ምፍታሕ ንኢትዮጵያ ሓድሽ ታሪኻዊ ምዕራፍ ከም ዝኸፍት ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ገሊፆም።

ስነ-ስርዓት መኽፈቲ ጉባኤ ሃገራዊ  ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኣዲስ ዓለም ለኻዊ ኮንቬንሽን ይካየድ ኣሎ።

ዋና ፀሓፊ በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪካ (ኢጋድ) ወርቅነህ ገበየሁ (ዶ/ር) ኣበዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ታሪኻዊ ጉባኤ ምኽክር ኣብ ነዊሕን ኩሩዕን ታሪኽ ኢትዮጵያ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ወሳኒ ፍፃመን እቲ መዓልቲ እውን ነታ ሃገር ታሪኻዊ እዩ።

ኣብ ታሪኽ ዓለም ብጎንፂ ዝተሃነፀትን ዝተረበሓትን ሃገር ከምዘየላ እውን ኣስሚሮምሉ።

ሎሚ ኣብ ዝሓሸ ብርኪ ዝበፅሓ ሃገራት ዕዉታት ክኾና ዝኽኣላ ሃገራዊ ረብሓአን ብምቕዳም፣ ብምስምማዕን ብምዝርራብን ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ፍልልያት ክፍትሑ ዝኽእሉ ብሰላማዊ መንገዲን ብዘተን ጥራሕ እዩ ኢሎም።




ኢትዮጵያ መንነታ ትደሊ ሓዳሽ ሃገር ዘይኮነትስ ኣብ ምድሪ ካብ ዘለዋ ጥንታውያንን ሓያል ስልጣነ ዘለወንን ሃገራት ሓንቲ ምዃና ብምሕባር፤ ኣብ ውሽጢ ታሪኽ፣ ባህሊን እምነትን  ዓሚቑን ፅቡቕን ዝኾኑ ስርዓታት  ዕርቅን መተዓረቕን ስከምዘለዉ ኣዘኻኺሮም።

እቶም ጥንታውያን ሃገራውያን ባህላዊ መፍትሒታት ፀገም፣ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ቝስሊ እተሕውየሎም ቁልፊ መሳርሒታት እዮም ኢሎም።

ንፀገማት መፍትሒ ንደገ ምጥማት ከምዘየድሊ ዝገለፁ እቶም ዋና ጸሓፊ፤ ትኹረት ክግበረሉ ዝግባእ ኣብ ውሽጢ ሃገር ኣብ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ  ኣብነታት ክኾኑ ዝኽእሉ መፍቲሒታት  እዩ ክብሉ እውን ገሊፆም።

ኢትዮጵያውያን ፍልልያቶም ብምኽክርን ሕድሕዳዊ  ምክብባርን ክፈትሑ ከምዝኽእሉ ብተግባር ዘመስክርሉ መድረኽ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ታሪኽ ኢትዮጵያ ቀፃሊ ዝስራሕ ብምዝርራብ ምዃኑ ብምግላፅ፤ ተማኸርቲ ንዝኾነ ይኹን ጉዳይ ብምኽክር ክፈትሕዎ ሓደራ ኢሎም።

ኢጋድ እውን ኣብዚ ታሪኻዊ ጉዕዞ  ምስ ኢትዮጵያ ብፅንዓት ደው ከም ዝብል ኣረጋጊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም