እቲ ዝተረኸበ ዓብይ ዕድል ምኽክር ብስምዒት ሓላፍነት ክንጥቀመሉ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ዝተረኸበ ዓብይ ዕድል ምኽክር ብስምዒት ሓላፍነት ክንጥቀመሉ ይግባእ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ) እቲ ዝተረኸበ ዓብይ ዕድል ምኽክር ብስምዒት ሓላፍነትን ክብርን ክንጥቀመሉ ከም ዝግባእ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ከምዝበልዎ፤ እዚ ጉባኤ ብቐሊሉ ዘይድገም፣ ኣብ ዘበናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ እቲ ዝዓበየ ዕላማ ዘለዎን ንኣፍሪካ መርኣያ ዝኸውንን ኩለ መዳያዊ መድረኽ እዩ።
ሓደ ሓደ ኣጋጣምታት ደስ ዝበለኩም ንክትፅሕፉ ቢሮን ብራናን የቐብልኹም እዮም ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ ናይ ሎሚ መድረኽ እውን እቲ ኣጋጣሚ ታሪኽ ከመሓላልፉ ንዝደልዩ ሰባት በዚ ቢሮን ብራናን ሃገር ዝሃንፅ ንዘበናት ዝዝከር ታሪኽ ንምፅሓፍ ዕድል ዝህብ እዩ ኢሎም።
ብተፃራሪኡ ድማ እዚ ዕድል ዘይጥቀሙን ሃገር ዝሃንፅ ዘይኮነስ ሃገር ዘፍርስ ታሪኽ ፅሒፎም ዝሓልፉን ከም ዘለዉ ሓቢሮም።
ስለ ዝኾነ ድማ እዚ ታሪኽ ሎሚ ንከይድገም እቲ ምኽክር ብስምዒት ሓላፍነትን ብልዑል ክብርን ክሳለጥ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
ንሕናን ቅድሜና ዝነበሩ ሰባትን ዝሰኣንናዮም ጉዳያት ደቅና እውን ንከይስእንዎም ብልዑል ሓላፍነት ክንሰርሕ ኣለና ኢሎም።
ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበሉ ፀገማት ከም ዘለዉ ብምግላፅ፤ እዞም ፀገማት ናብ ዕድል ምቕያር እንተተኻኢሉ ዝሓሸ ወለዶ ምፍጣር ከም ዝከኣል እውን ተዛሪቦም።
እዚ ንምፍጣር ድማ ሰናይ ኣጋጣሚ እቲ ምኽክር ናብ ዕድል ምቕያር ከም ዝግባእ ፀሪሖም።
ኣብ ዝሓለፉ ውሑዳት ዓመታት ዝተረኸበ ዕድል ኩሉ ብምጥቃም ኣብ ኢትዮጵያ ፖለቲካዊ፣ ኢኮኖሚያውን ወታደራውን ሪፎርም ብምግባር ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ከም ዝተረኸቡ ብምዝኽኻር፤ ነዚ ድማ ልምዓት ኣዲስ ኣበባ ከም ኣብነት ኣዒሎም።
ሎሚ እውን ንረኽቦ ሕድ ሕድ ዕድል ብምጥቃም ንብልፅግና ኢትዮጵያ መሰረት ንምንባር ክንተግህ ኢና ክብሉ ኣረጋጊፆም።