ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክፀንዕን ሃገር ቦቆል ሰላማዊ መፍትሕትታ ውፅኢታዊ ንክኾኑን ዘኽእል እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018(ኢዜኣ) ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ታሪኻዊ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ሰላም ንክተፅንዕን ሃገር ቦቆል ሰላማዊ መፍትሕታት ውፅኢታዊ ንክኾኑን ዘኽእል ከም ዝኾነ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።

መርሃ ግብሪ መጀመሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ማእኸል ኮንቬንሽን ኣዲስ እናተኻየደ እዩ ዝርከብ።

ኮሚሽነር ጉዳያት ፖለቲካ፣ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣምባሳደር ባንኮሌ ኣዶዬ ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እዚ ታሪኻዊ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክፀንዕን ሃገር ቦቆል ሰላማዊ መፍትሕታት ውፅኢታዊ ንክኾኑን ዘኽእል እዩ ኢሎም።

ሕብረት ኣፍሪካ ንሃገር ቦቆል ሰላማዊ ኣማራፅታትን ከይዲ ምኽክርን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከም ዝቕፅለሉ እውን ኣፍሊጦም።

ጅማሮ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ታሪኻዊ መዓልቲ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ሕብረት ኣፍሪካ ኣካል እዚ ታሪኻዊ መዓልቲ ብምዃኑ ኩርዓትን ክብርን ከም ዝስምዖ እውን ተዛሪቦም።

ንዕምቆት፣ሓቛፍነትን ብዝሃነትን እቲ ሃገራዊ ምኽክር ከም ዝንእዱ ብምሕባር፤ ሕብረት ኣፍሪካ ነዚ ታሪኻዊ ከይዲ ከም ዝድግፍ ኣመላኺቶም።

እቲ ምኽክር ሃገራዊ ምርድዳእ ንምፍጣርን ሰላምን ምርግጋዕን ብዘላቕነት ንምርግጋፅን ቁልፊ እጃም ከም ዘበርክት ኣረዲኦም።

ሰላም፣ ምርግጋዕን ሓድነትን ኢትዮጵያ ነቲ ዞባን መላእ ኣፍሪካን ወሳኒ ከም ዝኾነ እውን ሓቢሮም።
 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም