ብሓይለ ቓል ተጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ዝድምደም ስብራት ፖለቲካ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ምባል የድሊ - ኢዜአ ትግርኛ
ብሓይለ ቓል ተጀሚሩ ብሓይሊ ስጉምቲ ዝድምደም ስብራት ፖለቲካ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ምባል የድሊ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ፖለቲካና ብሓይለ ቓል ይጅምር፣ ብሓይሊ ስጉምቲ ይድምደም እዙይ ስብራት ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ምባል የድሊ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ስነ ስርዓት መኽፈቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኣዲስ ዓለም ለኻዊ ኮንቬንሽን ይካየድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ መከራን ፀገምን ኣብ ውሽጦም ዕድልን መፍትሒን ዝሓዙ እዮም ኢሎም።
ዝሓለፉ ፈተናታት ብምኽክር ብምስጋር ንደቅና ዝሓሸ ሰላም፣ ብልፅግናን ናብራን ንምፍጣር ምፅዓር ከምዘድሊ ኣገንዚቦም።
መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተረኸቡ ዕድላት ብኣግባቡ ብምጥቃም ኣብ ኩሎም ዓውድታት ውፅኢታዊ ሪፎርምታት ከምዘካየደ ብምጥቃስ፤ ኣዲስ ኣበባ እውን ብልምዓት ኮሪደር ካብ ዝነበረትሉ ርስሓት ተላቒቃ ሓዱሽ መልክዕን ፅባቐን ከምዝሓዘት ተዛሪቦም።
ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ ኣድካሚ ከይድን ንኹሉ ዘጠቓለለን መድረኽ ምኽክር ምድላው ዘድለየሉ ምኽንያት፣ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዝረአ ስብራት ንምፅጋን ምዃኑ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ኣዝያ ታሪኽ ዝፀገበትን መበቆል ደቂ ሰባትን እኳ እንተኾነት፣ ኣብ ጉዕዞ ፖለቲካኣ ኩሉ ግዜ ብሓይለ ቓል ጀሚርካ ብሓይሊ ስጉምቲ ናይ ምድምዳም ልምዲ ከምዘሎ ኣዘኻኺሮም።
እቲ ስጉምቲ ሓይሊ ኣካል ታሪኽና ናይ ምግባር እኩይ ኣካይዳ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ደው ምባል ከምዘድሊ እውን ኣስሚሮምሉ እዮም።
ኣብ ታሪኽና ክንጨቓጨቕ ከለና ግዜ ሓሊዮም ብምእታው ትምኒትና ከይሳኻዕ ዝገብሩ ሓይልታት ወፃኢ ከምዘለዉ ብምዝኽኻር፤ ኣብዚ ቐረባ እዋን ቀይሕ ባሕሪ ዝሰኣንሉ ኣጋጣሚ ናይዚ እኩይ ታሪኻዊ ፍፃመ መርኣያ ምዃኑ ገሊፆም።
ከምዚኦም ዝበሉ ሕማቕ ኣጋጣምታት ከይድገሙን ዝተፈጠሩ ስብራታት ንምፅጋንን ሎሚ እይንረኽባ ሕድሕድ ደቒቓ ከም ዓብዪ ዕድል ብምቑፃር፣ ብልፅግና ኢትዮጵያ ኣብ ዘተኣማምን መሰረት ንምህናፅ ከይተሓለልና ክንሰርሕ ይግባእ እውን ኢሎም።