እቲ ጉባኤ ምኽክር ሃገር ዘድሕንን ዝሃንፅን ታሪኽ ንምፅሓፍ ዓብዪ ዕድል ዝህብ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
እቲ ጉባኤ ምኽክር ሃገር ዘድሕንን ዝሃንፅን ታሪኽ ንምፅሓፍ ዓብዪ ዕድል ዝህብ እዩ - ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ሃገር ዘድሕን፣ ዝጠቅም፣ ዝሃንፅን ንዘመናት ዝዝከር ታሪኽ ንምፅሓፍ ዕድል ዝህብ እዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ገሊፆም።
ስነ ስርዓት መኽፈቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ማእኸል ኣዲስ ዓለም ለኻዊ ኮንቬንሽን ይካየድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብዚ እዋን ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ እቲ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዘመናዊ ታሪኽ ኢትዮጵያ ብስፍሓቱ፣ ብኣካይዳኡን ብዘምፅኦ ውፅኢትን ዓብዪ ዕላማን ተግባርን ዘለዎ ምዃኑ ገሊፆም።
እቲ መድረኽ ኢትዮጵያ ንዝውክሉ ዝተዳለወ ኩሉ ዘጠቓለለ መድረኽ ምዃኑ ብምጥቃስ፣ ኣጋጣምታት ኣብ ቅድሚ ታሪኽ ብዕርን ብራናን ደው ከም ዘብለና ሓቢሮም።
ናይ ሎሚ መድረኽ ሃገር ዘድሕንን ዝሃንፅን ታሪኽ ንምፅሓፍ ዓብዪ ዕድል ዝህብ ምዃኑ እውን ኣስሚሮምሉ እዮም።
ነዚ ዕድል ዘይጥቀሙን ደጋጊሙ ከም ዘይርከብ ዘይግንዘቡን ኣካላት ታሪኽ እንትርከብ ሃገር ዝሃንፅ ዘይኮነስ ዘፍርስ ታሪኽ ፅሒፎም ከም ዝሓልፉ ኣዘኻኺሮም።
ብምዃኑ እዚ ታሪኻዊ ዕድል ምኽክር ብቐሊሉ ዘይርከብን ክድገም ዘይኽእልን ብምዃኑ፣ ንሕናን ካብዚ ቅድሚ ሐዚ ዝነበሩ ሰባትን ዘምለጥዎም ዕድላት ደቅና ከየምልጦም ብዝለዓለ ኣኽብሮት ክነሳልጦ ይግባእ ኢሎም።
ተሳተፍቲ እቲ ምኽክር ንዓወት እቲ ምኽክር ብዝለዓለ ስምዒት ሓላፍነትን ብፅሒቶም ከበርክቱ ፃውዒት ኣቕሪቦም።