ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዕብየት ሃገርን ምጥንኻር ሓድነት ህዝብታትን መሰረት ዝንፀፈሉ ክኸውን ኣቦታት ሃይማኖት ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 8/2018 (ኢዜኣ)፦ ሎሚ ዝተጀመረ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ንዕብየት ሃገርን ምጥንኻር ሓድነት ህዝብታትን መሰረት ዝንፀፈሉ ንምነ ክብሉ ኣቦታት ሃይማኖት ገሊፆም።
መኽፈቲ መርሃ ግብሪ ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣህጉራዊ ማእኸል ኮንቬንሽን ይካየድ ኣሎ።
እቲ ታሪኻዊ ጉባኤ ምኽክር ኣቦታት ሃይማኖት ብፀሎትን ባረኾትን ብዕሊ ኣጀሚሮምዎ እዮም።
ኣብቲ መኽፈቲ መርሃ ግብሪ መልእኽቲ ዘመሓላለፉ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስን ወኪል ፓትርያርክን ቤተክርስትያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ፣ እቲ ዋዕላ ንዕብየት ሃገርን ሓድነት ህዝብን ዝጠቅም ሰናይ ፍረ ክፈሪ ተመንዮም።
ፈጣሪ መራሕትና ብሰላምን ጥዕናን ይሓልውልና ብምባል እውን መራሕቲ ንህዝቦም ብፍቕርን ሓቅን ከገልግሉ ጥበብ ክዕድሎም ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።
ፕሬዝዳንት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት ምስልምና ኢትዮጵያ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብወገኖም፣ እቲ ዘመን ናይ ሰላም፣ ፍቕርን ሓድነትን ክኸውን ሰናይ ትምኒቶም ገሊፆም።



እቲ ታሪኻዊ መድረኽ ውፅኢታዊ ክኸውንን ኩሉ ብሓደ ልቢ ክመክርን ሓገዝ ፈጣሪ ዝሓተቱ ሸኽ ሓጂ ኢብራሂም፣ ኣብዚ እዋን ገፅና ናብ ሰላም ዘፅንዑን ጉዳያት ልምዓትን ጉዳያትን ክነዙር ከም ዝግባእ ፃውዒት ኣቕሪቦም።
ፕሬዝዳንት ጉባኤ ጳጳሳት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ብፁእ ካርዲናል ብርሃነየሱስ ሱራፌል እውን እቲ ምኽክር ሰላምን ሓድነትን ዝፀንዓሉ ክኸውን ተመንዮም።
ብምኽክር ኣቢልና ኩሎም ፀገማትና ብምፍታሕ ብኣርኣያነት እትጥቀስ ሃገር ክንሃንፅ ፈጣሪ ይሓግዘና ኢሎም።
ብተመሳሳሊ ፕሬዝዳንት ካውንስል ኣብያተ ክርስቲያናት ኣመንቲ ወንጌላውያን ኢትዮጵያ ቐሺ ደረጀ ጀንበሩ፣ እቲ ጉባኤ ልዕልና ሃገር ዘምፅእ ክኸውን ነፍሲ ወከፍና ብምስትውዓልን ብጥበብን ክንሳተፍ ይግባእ ኢሎም።
ፕሬዝዳንት ቤተክርስትያን ሻብዓይ መዓልቲ ኣድቬንቲስት ፓስተር ታደሰ ኣዱኛ እውን ፈጣሪ ሓድነትና ክሃንፅ ሰናይ ትምኒቶም ዝገለፁ እንትኸውን፤ እቲ መድረኽ ሓባራዊ ምርድዳእን ምቅርራረብን ዘጠናኽር ክኸውን ተመንዮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም