ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክብርታት ሓቢርካ ምንባርን ምትሕግጋዝን የጎልብት ኣሎ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክብርታት ሓቢርካ ምንባርን ምትሕግጋዝን የጎልብት ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 7/2018 (ኢዜኣ)፦ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ኢትዮጵያ ማሕበራውን ቁጠባውን ተረባሕነት ሚሊዮናት ዜጋታት ብምርግጋፅ ክብርታት ሓቢርካ ምንባርን ምትሕግጋዝን የጎልብት ከምዘሎ ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ ገሊፀን።
ኮሌጅ ሕክምና ሚሊኒየም ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ናፃ ህክምናን ምርመራን ኣጀሚሩ።
ምክትል ኣፈ-ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ሎሚ በዶ፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ክረምቲ ማሕበራውን ቁጠባውን ተረባሕነት ዜጋታት ኣብ ምርግጋፅ ዝልዓለ ረብሓ እናምፅአ ከም ዝኾነ ገሊፀን።
ኣብ ማሕበራዊ ዓውዲ ዝካየዱ ምርመራታት ጥዕና፣ መርሃ ግብሪታት ደም ልገሳን ካልኦት ኣገልግሎት ሕክምናን ህይወት ዜጋታት ኣብ ምድሓን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ የበርክቱ ከምዘለዉ ተዛሪበን።
መርሃ ግብሪ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓ ክረምቲ ኢትዮጵያ ማሕበራውን ቁጠባውን ተረባሕነት ሚሊዮናት ዜጋታት ብምዕባይ ሓጋዚ ሓይሊ ልምዓት ይኸውን ከምዘሎ ኣልዒለን።
ብፍላይ ተረባሕነት ዓቕሚ ዘይብሎም፣ ኣረጋውያንን ሰብ ውዕለታ ሃገር ዝኾኑ ዜጋታትን ብምዕባይ ባህሊ ሕድሕዳዊ ምትሕግጋዝ የዕብይ ከምዘሎ ኣረዲአን።
ኣብ ቀፃሊ እውን ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ብምስፋሕ ክብርታት ሓቢርካ ምንባርን ምትሕግጋዝን ባህሊ ወለዶ ንክኸውን ብሓባር ምስራሕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።
ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር መቅደስ ዳባ ብወገነን፤ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ተበፃሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ዜጋታት ኣብ ምስፋሕ ዓብዪ ግደ ይፃወት ከምዘሎ ገሊፀን።
ተበፃሕነት ኣገልግሎት ምርመራ ጥዕና ፣ ደም ልገሳን ቅድመ ምክልኻል ተመሓላለፍትን ዘይተመሓላለፍትን ሕማማት ብምስፋሕ ተረባሕነት ጥዕና የረጋግፅ ከምዘሎ እውን ተዛሪበን።
ኣብዚ ዓመት እዋን ክረምቲ ዝካየድ ኣገልግሎት ሰናይ ፍቓድ ጥዕና ብሃገር ለኸ ብርኪ ካብ 20 ሚሊዮን ንላዕሊ ዜጋታት ተረባሕቲ ንምግባር መደብ ተታሒዙ ናብ ስራሕ ከምዝተኣትወ ኣፍሊጠን።