ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና-ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 7/2018 (ኢዜኣ) “ተስፋ ንትከል” በብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ዝካየድ ዘሎ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልስታት ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና ክብላ ከንቲባ ምምሕዳር እቲ ከተማ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣመራርሓን ሰራሕተኛታትን ቤት ፅሕፈተን ብምዃን ሎሚ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኤኣይ(AI) ተኸላ ፈልሲ ሓምለይ አሰር ኣካይደን።
እተን ከንቲባ ኣብዚ እዋን፤ ኣብ መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ክረምቲ እዚ ዓመት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 6 ሚልዮን ፈልሲ ንምትካል ተሊምና እናሰራሕና ኢና ንርከብ ኢለን።
መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር እዚ ዓመት 7 ሰነ 2018 ዓ/ም ኣጀሚርና ክሳብ ሕዚ 4 ሚልዮንን 469 ሽሕን 710 ፈልስታት ተኽሊና ክብላ እውን ተዛሪበን።
ኣፈፃፅማ እቲ ተኸላ ፈልሲ እውን 75 ሚኢታዊ ከም ዝበፅሐ ብምሕባር፤ ፈልሲ ምትካል ጥራሕ ኣብቲ ንሓልሞ ስለዘየብፅሐና ስራሕ ክንክን ዝተተኸሉ ፈልስታት እውን ክንሰርሕ ኢና አለን።