እቲ ኢንስቲትዩት ብሳይንሳዊ ሓበሬታ ዝተደገፈ ዓቕሚ ምክልኻል ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ሃኒፁ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 7/2018 (ኢዜኣ) ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ስርዓት ቁፅፅር ጥዕና ማሕበረሰብ ብምጥንኻርን እቲ ስርዓት ጥዕና ብሳይንሳዊ ሓበሬታ ብምድጋፍን ዓቕሚ ምክልኻል ሓደጋታት ጥዕና ሕብረተሰብ ከምዝሃነፀ ገሊፁ።

ኢንስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ መበል 100 ዓመት በዓል ምስረታኡ ካብ ዝመፅእ ሓሙስ ጀሚሩ ብዝተፈላለዩ መደባት ከምዘኽብር ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኢንስቲትዩት ዶክተር መሳይ ሃይሉ ከምዝገለፅዎ፤ እቲ ኢንስቲትዩት ካብ ዝምስረት ጀሚሩ ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ጥዕና ሕብረተሰብ ክህብ ፀኒሑ እዩ።

ኣብዚ እዋን ንዝበፅሖ ብርኪ ንምብፃሕ እውን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብዝተፈላለዩ ውዳበታትን መዋቕራትን ከምዝሓለፈ ገሊፆም።

ኣብ ፃንሒቱ ዝተፈላለዩ ክትባታት ብምፍራይ፣ ሳይንሳዊ ምርምራት ብምክያድ፣ ከምኡ እውን ስግኣታት ጥዕና ሕብረተሰብ ኣቐዲሙ ብምፍላይ ቅልጡፍ መልሲ ክህብ ከምዝፀንሐ ኣረዲኦም።

ብተወሳኺ እቲ ኢንስቲትዩት ብሕጊ፣ ብኣሰራርሓን ብሓይሊ ሰብን ብምጥንኻር ስራሕቲ ስርዓት  ቁፅፅር ጥዕና ሕብረተሰብ ምዝማንን ተበፃሕነት ምስፋሕን ከም ዘሳለጠ ተዛሪቦም።

ስርዓት ክትትል ብምጥንኻርን ስግኣታት ጥዕና ብምትንታን ስልታዊ መልሲ ንምሃብ ዘኽእሉ ስራሕቲ ከምዝተሰርሑ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፤ ስርዓት ቁፅፅር ዶብ ተሳገርቲ ሕማማት እውን ዓለምለኻዊ ሕግታት ጥዕና ብዝተኸተለ መገዲ ብምምራሕ ቅልጡፍን ዝተዋደደን ቁፅፅር ክግበር ከምተኽእለ ኣብሪሆም።

በዙይ ድማ ኣብ ዝሓለፈ በጀት ዓመት ጥራሕ ካብ 7 ሚሊዮን ንላዕሊ ተጓዓዝቲ ብሰብ ሞያ ቁፅፅር ሓደጋ ጥዕና ሕብረተሰብ እቲ ኢንስቲትዩት ክትትል ከምዝተገበረሎም ጠቒሶም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ስርዓት ቁፅፅር ሓደጋ ጥዕና ሕብረረተሰብን ምጥንኻርን ስራሕቲ ድሕንነት ጥዕናን ብሰፊሑ ከምዝተሰርሐሉ እውን ወሲኾም ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም