ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ሓረስቶትን መርባሕቲ እንስሳትን ኣብ ምምሕያሽ ውፅኢት እናርከበ እዩ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 6/2018 (ኢዜኣ) ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ኢትዮጵያ ተረባሕነት ሓረስቶትን መርባሕቲ እንስሳትንብ ምምሕያሽ ውፅኢት እናርከበ ከም ዝኾነ ሚኒስትር ድኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (/) ገሊፆም።

ሚኒስቴር ሕርሻ ምስ ቢሮ ሃፍቲ እንስሳ ኣህጉር-ለኸ ሕብረት ኣፍሪካ ብምትሕብባር ዘዳለውዎ ጉባኤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ሚኒስትር ድኤታ ሕርሻ ፍቅሩ ረጋሳ (/) ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ እቲ ፎረም ኣብ ኣፍሪካ ሃፍቲ ልምዓት እንስሳ ብምምጉልባት ለውጢ ኩነታት ኣየር ምፅዋር ዝኽእል፣ ኣርባሕቲ እንስሳ ዝሓሸ ዕዳጋ ክርኽቡን ተረባሕነት ሃገራት ንምዕባይን ኣንፈት ፖሊሲ ንምንፃር ዝዓለመ እዩ።

ኢትዮጵያ ልምዓት ሃፍቲ እንስሳ ብምዕባይ ተረባሕነት ሓረስቶትን ኣርባሕቲ እንስሳን ዘረጋግፁ ጭቡጣት ስጉምትታት ብምውሳድ ትሰርሓሉ ከም ዘላ ገሊፆም።

በዙይ እውን ሓረስቶትን መርባሕቲ እንስሳትን ዘጋጥሞም ሕፅረት ማይን መኖን ብዘላቕነት ዝፈትሑ ከምኡ እውን ስራሕቲ ምስፋሕ ትካላት ሕክምና እንስሳት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ  ጠቒሶም።


 

ምስ መርባሕቲ እንስሳት ዝሰርሑ ትካላት፣ ማእኸላት ዕዳጋ እንስሳትን ንከባቢታት መርባሕቲ እንስሳት ተበፃሕቲ ንምግባር ይስራሕ ከም ዘሎ እውን ገሊፆም፡፡

ዳይሬክተር ቢሮ ሃብቲ እንስሳ ሕብረት ኣፍሪካ ሁያም ሳሊህ (/) ብወገኖም፤ ኣፍሪካ ብሃፍቲ እንስሳ ብዓለም ለኸ ዝለዓለ ብፅሒት ዋላ እንተሃለዋ ካብቲ ዓውዲ እትረኽቦ ረብሓ ግን ኣዝዩ ትሑት እዩ ኢሎም።

ብቐፃሊ እውን ዓብዪ ዓቅሚ ሃፍቲ እንስሳ እቲ  ኣህጉር ብምልማዕ ተረባሕነት ሓረስቶትን መርባሕቲ እንስሳትን ንምምሕያሽ ኣብ ኩሎም ዓውድታት ኣመራፂታት  ኢንቨስትመን ምስፋሕ ከም ዘድሊ ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም