ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ኣፍሪካ ዘቀላጥፍ ዲጂታላዊ ዓቕሚ ምህናፅ የድሊ - ሕብረት ኣፍሪካ - ኢዜአ ትግርኛ
ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ኣፍሪካ ዘቀላጥፍ ዲጂታላዊ ዓቕሚ ምህናፅ የድሊ - ሕብረት ኣፍሪካ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 6/2018 (ኢዜኣ)፦ ፅሬትን ተበፃሕነትን ትምህርቲ ኣፍሪካ ዘቀላጥፍ ስርዓት ዲጂታል ምህናፅ ከም ዘድሊ ሕብረት ኣፍሪካ ገሊፁ።
ኤክስፖ ምህዞ ትምህርቲ ኣፍሪካ 2026 ኣብ መአከቢ ኣዳራሽ ሕብረት ኣፍሪካ ይካየድ ኣሎ።
"ስግግር ዲጂታል ትምህርትን መፍትሒታት ምህዞን ምዕባይን" ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ንኽልተ መዓልታት ኣብ ዝካየድ ኤክስፖ ሰብ ዋናታት ምህዞ ፣ ትካላት መፅናዕትን ምርምርን ከምኡ እውን መዳርግቲ ኣካላት ተረኺቦም እዮም።
ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ትምህርቲ፣ ሳይንስ፣ ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን ፕሮፌሰር ጋስፓርድ ባንያን ክምቢና ኣብቲ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኣብ ኣፍሪካ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውድታት ሞያ ብቑዕ ዓቕሚ ሰብ ምህናፅ የድሊ።
ነዙይ እውን ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪካ ዝኣተዎ ፖለቲካዊ ቆራፅነት ኣፍሪካውያን ኣብ ዝተለወጠት ዓለም ፍልጠትን ክእለትን እቲ ወለዶ ንምዕባይ በትኹረት ክሰርሑ ከም ዝግባእ ገሊፆም።
ትምህርቲ ኣፍሪካ ናብ ዲጂታል ምስግጋር እዋናዊን ቆላሕታ ሃገራት ዝደልዮን እዩ ኢሎም።
ኣብ ኣፍሪካ ኣካታቲ ስርዓት ዲጂታል ትምህርቲ ብምዝርጋሕ ፅሬት ትምህርቲ ምርግጋፅን ቀረብ ዲጂታል እታወታት ትምህርቲ ምምላእን ልዕሊ ኩሉ ክስረሓሉ ከም ዝግባእ እውን ኣፅንኦት ሂቦምሉ።
ትምህርቲ ብሰብ-ሰርሕ ብልሒ ዝተቓነየ ምግባርን ዓቕሚ ቴክኖሎጂ መማህራን ምዕባይን ትምህርቲ ንምስግጋር ቁልፊ ጉዳይ ክኸውን ከም ዝግባእ ወሲኾም ሓቢሮም።
ዓቕሚ ትካላት መፅናዕትን ምርምርን ምዕባይ እውን ማእኸል ቆላሕታ ሃገራት ክኸውን ከም ዝግባእ ኣገንዚቦም።
ሕብረት ኣፍሪካ እውን ኣብታ ኣህጉር ትምህርቲ ንምዝማን ዝስርሑ ተግባራት ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ከም ዘጠናኽር ኣረጋጊፁ።