ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ምስ ፕሬዝዳንት ቤኒን ሮሙዋልድ ዋዳግኒ ዘትዮም

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 6/2018 (ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ምስ ፕሬዝዳንት ቤኒን ሮሙዋልድ ዋዳግኒ ሎሚ መዓልቲ ዘትዮም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (/) ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ምስ ፕሬዝዳንት ቤኒን ኣብ ሓባራዊ ጉዳያት ዙርያ ከም ዝመኸሩ ገሊፆም።


 

ክልቲኣዊ ርክብ ንምጥንኻርን ኣብ ሓባራዊ ረብሓታት ዝለዓለ ምትሕብባር ንምግባር ዘኽእሉ ዕድላት ብዝምልከት ውፅኢታዊ ዘተ ከም ዝገበሩ ኣመላኺቶም።

ንድልዱል ሽርክናን ንዘላቒ ምሕዝነትን ዘለና ሓባራዊ ቆራፅነት ብዝበለፀ ንምዕባይ ፅኑዕ ባህጊ ኣለናኢሎም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መልእኽቶም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም