ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዘበናዊ መልክዑ ተመሓይሹ ዝተሃነፀ መዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ተክለሃይማኖት ደብረ ማርቆስ መሪቖም

ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 5/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ብዘበናዊ መልክዑ ተመሓይሹ ዝተሃነፀ መዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ተክለሃይማኖት ደብረ ማርቆስ መሪቖም ስራሕ ኣጀሚሮም።


 

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፤ ህዝቢ ደብረ ማርቆስን ከባቢኡን ንዓመታት ብሃንቀውታ ዝፅበዮ ዝነበረን ን30 ዓመታት ተቛሪፁ ዝፀንሐን መዕርፎ ነፈርቲ ንጉስ ተክለሃይማኖት ብዘበናዊ መልክዕ ተመሓይሹን ደረጅኡ ሓልዩን ተሃኒፁ ሎሚ ብዕሊ መሪቕና ኢሎም።

ኣብ ልዕሊ 2400 ሜትር ንውሓትን 30 ሜትር ስፍሓትን ዝተሃነፀ ከም Q400ን B737ን ዝበላ ዓበይቲ ኣውሮፕላናት ህዝብን ፅዕነትን ምዕራፍ ዘኽእል ልዑል ዓቕሚ ከም ዝፈጠረ እውን ሓቢሮም።

እዚ መዕርፎ ነፈርቲ ስራሕ ምጅማሩ ምንቅስቓስ ንግዲ፣ ኢንቨስትመንትን ቱሪዝምን እቲ ከባቢ ብዝለዓለ ኩነታት ብምንቕቓሕ ንዕቤት ኢኮኖሚ እቲ ከባብን መላእ ሃገርናን ሓዱሽ ምዕራፍ ዝኸፍት እዩ ኢሎም።

ፈተናታት ናብ ዕድል ብምቕያር ሕቶታት ልምዓት ህዝብና በቢ ብርኩ ንምምላስን ዝጀመርናዮም ሜጋ ፕሮጀክትታት ብፅሬትን ብቕልጡፍን ዛዚምና ንምረቓ ንምብቃዕን ዘለና ቆራፅነት ብተግባር እናገለፅና ክንቕፅለሉ ኢና ክብሉ እውን መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም