ካብ ግፍዕን በደልን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣምሊጦም ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ትግራይ እንታይ ይብሉ?

ሰቖጣ፤ ሓምለ 4/2018(ኢዜኣ) ካብ ግፍዕን በደልን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ኣምሊጦም ካብ መረበቶም ዝተፈናቐሉ ተወለድቲ ትግራይ እንታይ ይብሉ?
ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝነብርሉ ከባቢ ኣብ ከተማ ሰቖጣ ካብ ዝርከቡ ተወለድቲ እቲ ክልል ጎዲፋይ ኣበራ፤ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት በቢ መዓልቱ ዝፍፅሞም ግፍዕን በደልን እናተጋደደ ከም ዝመፀ ሓቢሮም።
ኣብ ገጠር ይኹን ከተማ ሰሪሕና ከይንበልዕን ብሰላም ወፂእና ከይንኣቱን ዓፋና እቲ ጉጅለ ከም ዝሓየሎም እውን ገሊፆም።
ኣብቲ ክልል ካብ ህፃን ክሳብ ዓብይ ብሓይሊ ንኲናት እናተገፈፉ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ኣብ ስግኣትን ጭንቀትን እዩ ዝነብር ዘሎ ኢሎም።
ብፍላይ ድማ ደቆም በዚ ድሑር ጉጅለ ድራር ዓረር ንከይኾኑ መንበሪኦም ገዲፎም ናብ ሰቖጣ ከም ዝወፁ ተዛሪቦም።
ንቅልውላው እቲ ክልል ካብቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ብተወሳኺ ሻዕብያ እውን ቀጥታ ተሳትፎ እናገበረ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ እቲ ህዝቢ መፍትሒ ከም ዝደሊ ፀሪሖም።
ካሊኦት ወሃቢ ርኢቶ ተወለድቲ እቲ ክልል ሙላት ኣወቀን የማነ ንጉስን ብግደኦም፤ ካብ ዓፈና ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ብምምላጥ ሂወቶምን ሂወት ቤተሰቦምን ድሓን ናብ ሰቖጣ ከም ዝመፁ ኣረዲኦም።
ካብ ተሓትታነት ገበን ንምምላጥ ዝፅዕር እዚ ጉጅለ ንህዝቢ ትግራይ መሕብእን መምለጥን ገይሩ ጥፍኣቱ ኣጠናኺሩ እናቐፀለሉ እዩ ኢሎም።
ኣዴታት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ደቀን ብዝፍፀም ዘሎ ዓፈና፣ ግፍዕን በደልን ኣብ ሓዘን ከም ዝርከባ ብምሕባር፤ እቲ ህዝቢ ዘድሕኖ ከም ዝደሊ ሓቢሮም።
ህዝቢ ክልል ትግራይ እውን ሰላምን ልምዓትን ከም ዝደልን በቲ ግፍዐኛ ጉጅለ ተዓፊኑ ከም ዝተትሓዘን ኣብሪሆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም