ዲጂታል ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ድሕንነት ቁልፊ ትካላት መሰረተ ልምዓታት ምሕላው ዘኽእል ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ-ኣፈ ጉባኤ ታገሰ ጫፎ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 3/2018(ኢዜኣ) ኢንቨስትመንት ዲጂታል መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ድሕንነት ዜጋታትን ቁልፊ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ምሕላው ዘኽእል ዓቕሚ ከም ዝፈጠረ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ገሊፆም።
ዓለም ለኸ ፎረም ድሕንነት ሓበሬታ ፓርላማ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንክልተ መዓልትታት ዝፅንሕ ኣኼብኡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ መኣከቢ ኣዳራሽ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ የካይድ ኣሎ።



ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ ኣብዚ እዋን ከም ዝበልዎ፤ ኢትዮጵያ ፈተናታ ድሕንነት ብቕልጡፍ ምላሽ ዝህብን ኣብ ምሕዝነት መሰረት ዝገበረን ብርክት ዝበሉ ዕዉት ስራሕቲ እናሳለጠት እያ ትርከብ።
ስለ ዝኾነ ድማ ዞባዊ ጠንካራ ማዕቐፋት ምትሕብባር ብምዝርጋሕ ገበናት ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ገበን ሰባት ምንጋድን ንምክልኻል እናሰርሕት እያ ኢሎም።
ዞባዊ ሰላምን ድሕንነትን ብምሕላው ምንቅስቓስ ጉጅለታት ራዕዲ ካብ ምፍሻል ብተወሳኺ ልምዓት ብምቅልጣፍ ድሕንነትን ስራሕ ስእነትን ብሓባር ንምቕናስ ዝነኣዱ ውፅኢታት እናተመዝገቡ ከም ዝኾኒ ኣረዲኦም።
ዲጂታል ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ዓቕሚ ሰብ ስራሕ ብልሒ፣ መሰረተ ልምዓትን ድሕንነት ሳይበርን ብምጥንኻር ድሕንነት ዜጋታትን ቁልፊ ትካላት መሰረተ ልምዓትን ንምሕላው ብትኹረት እናተሰርሐ ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኢትዮጵያ ዘካየደቶ 7ይ ሓፈሻዊ መረፃ እውን ሓቛፊ፣ ነፃን ፍትሓውን ከምኡ እውን ንሕገ መንግስታዊ ምምሕዳርን ልዕልነት ሕግን ዘለዋ ቆራፅነት ዘርኣየ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቪን ማሲንጋ ብግደኦም፤ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዓለም ዘጋጥምዋ ዘለዉ ስግኣታት ዝተሓላለኹን ብቕልጡፍ ዝቀያየሩን ከም ዝኾኑ ተዛሪቦም።
መንግስትታት እውን ገበናት ሳይበር ንምክልኻል ልውውጥ ሓበሬታን ሕጋዊ ማዕቐፋትን ብምጥዕዓም ምትሕብባሮም ከጠናኽሩ ይግባእ ኢሎም።
ምሕዝነት ዓውዲ ጥዕና ኢትዮጵያን ኣሜሪካን ውፅኢታዊ ስራሕቲ እናሳለጠ ከም ዝርከብ ብምግላፅ፤ ዘይሕጋዊ ዝውውሰ ሰባት ንምክልኻል እውን ብምትሕብባር ምስራሕ ከም ዝግባእ ሓቢሮም።
ኣብቲ ፎረም፤ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ታገሰ ጫፎ፣ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ዋና ተፀዋዒ መንግስቲ ሚኒስትር ተስፋዬ በልጅጌ (ዶ/ር)፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቴዎስ (ዶ/ር)፣ መስራቲ ፎረም ሓበሬታን ድሕንነትን ፓርላማ ሮበርት ፒቴንገር፣ኣምባሳደር ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኤርቬን ማሲንጋ ሓዊሱ ኣባላት ፓርላማ ዝተፈላለያ ሃገራት ተረኺቦም። 

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም