ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝሃብዎ መብራህርሂ ሙሉእ ብሙሉእ ሓቅን ኣብ መሬት ዘሎን እዩ-ኣቦ ወንበር ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ - ኢዜአ ትግርኛ
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ትግራይ ዝሃብዎ መብራህርሂ ሙሉእ ብሙሉእ ሓቅን ኣብ መሬት ዘሎን እዩ-ኣቦ ወንበር ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ
ኣዲስ ኣበባ/ሓምለ 2/2018(ኢዜኣ) ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ትግራይ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓለሎም ሕቶ ዝሃብዎ መብራህርሂ ሙሉእ ብሙሉእ ቅቡልን ኣብ መሬት ዘሎን ከም ዝኾነ ኣቦ መንበር ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ገሊፆም።
ኣቦ መንበር ውድብ ትንሳኤ 70 እንደርታ ኣይተ ከበደ ኣሰፋ ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት፤ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓለሎም ሕቶ ዝሃብዎ መብራህርሂ ሙሉእ ብሙሉእ ቅቡልን ኣብ መሬት ዘሎ ሓቅን ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኣብ ትግራይ ሰላም ዘስፈነን ኲናት ጠጠው ዘበለን ታሪኻዊ ስምምዕ ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ መንግስቲ ኣብቲ እዋን ምእንተ ሰላም ኢሉ ንዝወሰዶ ስጉምቲ ንኢዶም።
ሻዕብያን ፋኖን ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዝነበሮም ሕልሚ ብስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ዝተቛረፀ ብምሕባር፤ ነዚ እዩ ድማ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ምስተፈረመ ዘይተቐበልዎን ኣንፃር ፌዴራል ወፍሪ ዝጀመሩን ክብሉ ኣረዲኦም።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ትግራይ ዳግማይ ኲናት ንምኽፋት ዝግበር ዘሎ ምድላው እውን ከምቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ዝበልዎ መፈፀሚ ዕላማ ናይ ደገ ሓይልታት እዩ ኢሎም።
ስለ ዝኾነ ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ምስ ሻዕብያን ፋኖን ብሽም ፅምዶ ዝገብሮ ዘሎ ርክብ ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእን ንምዕናውን ዝተፈጠረ ዘይቅዱስ ምሕዝነት ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ዋና በዓል ዋና እቲ ፅምዶ ድማ ናይ ደገ ሓይልታት እምበር ጉጅለ ህወሓት ከም ዘይኮነ ኣረዲኦም።
እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ምእንተ ዕላማ ደጋዊ ሓይልታት ንመንእሰይ ትግራይ ህፃውንቲ እውን ከይተረፈ እናገፈፈ ናብ ኲናት ሱዳን ብምሻጥ ፍልፍል ኣታዊኡ እናገበሮ ከም ዝርከብ እውን ኣብሪሆም።
ደቅና ኣይንህብን ንዝበሉ ወለዲ ድማ ብኣልማሚት እናኣሰሮም ከም ዝርከብ ኣፍሊጦም።
ስለዝኾነ ድማ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ሒዝዎ ዝመፀ ፀጋን ትሩፋትን፣ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ንምፍራስ ዝኸደሉ መንገድን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኲናት ንምኽፋት ዝገብሮ ዘሎ ምድላዋትን ከምኡ እውን እቲ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፀሖ ዘሎ በደልን መንግስቲ ምእንተ ሰላም ኢሉ ዝገብሮ ዘሎ ትዕግስትን ብዝምልከት ዝሃብዎ ዝርዝር መብራህርሂ ሙሉእ ብሙሉ ትኽክል እዩ ኢሎም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ዘቕረብዎ ፃውዒት እውን ኩሎም ዓይነታት ኣፈላላይ ኣብ ወንበር ኮፍ ኢልና ብሕጊ፣ሰላምን ዘተን ንፍተሓዮም ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘ ከም ዝኾነ ገሊፆም።
ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ቅልውላው ብዘላቕነት ንምውፅእ እውን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ንሓዋሩ ክእለ ከም ዘለዎ ብምግላፅ፤ ህዝቢ ትግራይ እቲ ጀሚርዎ ዘሎ ቃልሲ ኣጠናኺሩ ክቕፅለሉ ከም ዝግባእ ኣረዲኦም።
መንግስቲ ፌዴራል እውን ክሳብ ሕዚ ንዝገበሮ ትዕግስቲ ብምንኣድ፤ ምስ ደለይቲ ለውጢ ሓይልትታ ትግራይ ብምትሕብባር እቲ ጉጅለ ካብ እንግዳዕ ህዝቢ ትግራይ ንምውራድ ኣድላይ ዝበሃል ሕገ መንግስታውን ፖለቲካውን ሓላፍነቱ ክዋፃእ ኣለዎ ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ኣብ ጉዳይ ትግራይን ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያን ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ከም ተራ ከይዲ ድርድር ዘይኮነስ ብርክት ዝበሉ ዝጭበጡ ውፅኢታት ዝተረኸበሉ ዓብይ ጅማሮ ሰላም ተገይሩ ክውሰድ ከም ዝግባእ ምግላፆም ዝዝከር እዩ።
ንህዝቢ ትግራይ ሓቃዊ መፍትሒ ዝመፅእ ኣመራርሓ ጉጅለ ህወሓት ኣብ መናእሰያቶም እምነት ገይሮም ነቲ ተተካኢ ወለዶ ዕድል ምሃብ እንትኽእሉ ጥራሕ ከም ዝኾነ እውን ገሊፆም እዮም።