እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተተካኢ ወለዶ ክልል ትግራይ ኮነ ኢሉ ብመዋቕራዊ ኣሰራርሓ የጥፍኦን የምክኖን ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ/ ሓምለ/ 2/2018 (ኢዜኣ)፦ እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተተካኢ ወለዶ ክልል ትግራይ ኮነ ኢሉ ብመዋቕራዊ ኣሰራርሓ የጥፍኦን የምክኖን ከምዘሎ ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽንን ኣባል ቤት ምኽሪ ፓርቲ ዲሞክራሲያዊ ስምረትን ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም ገሊፀን።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት "ፅምዶ" ብዝብል ስያሜ ምስ ሻዕቢያ፣ ሱዳንን ፅንፈኛ ሓይልታት ውሽጢ ዓድን ጥምረት ብምፍጣር ኢትዮጵያ እንናተራመሰ ክነብር ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ እውን ኣፍሊጠን።

እቲ ጉጅለ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ጥሒሱ ንዳግማይ ኲናት ከም መዐደጊ ግዘ ብምጥቃም ኣዴታት ትግራይ የንብዕ ከምዘሎ እውን ኣገንዚበን።

ወይዘሮ ኬርያ ኢብራሂም እዋናዊ ኩነታት ክልል ትግራይ ኣመልኪተን ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝገበርኦ ፃንሒት ከምዝገለፅኦ፤ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ድምፂ ጥይት ብምጥፋእ ንህዝቢ እቲ ክልል ተስፋ ዝሃበ በሪ ሰላም ነይሩ።

መንግስቲ ፌደራል እውን በቲ ስምምዕነት ሰላም መሰረት ዝዓነዉ መሰረተ ልምዓታትን ትካላትን መሊሱ ከምዝሃነፀ ብምግላፅ፤ እዙይ ድማ ህዝቢ እቲ ክልል ዝተረጋገዐን ሰላማዊን ህይወት ዝመርሓሉን ዕድል ከምዝፈጠረ ኣብሪሀን።

ኣብቲ ክልል ግዝያዊ ምምሕዳር ምጥያሽ ሓዊሱ ማሕበራውን ኢኮኖሚያውን ፋይዳ ዘለዎም ትካላት ብቕልጡፍ ናብ ኣገልግሎት ክምለሱ ከምዝገበረ ኣዘኻኺረን።

ናይ ቀደም ዕጡቓት ክልል ትግራይ ብስልጠና ተሃድሶ ብምሕላፍ፣ ናብ ማሕበረሰቦም ተፀንቢሮም ዝተረጋገዐ ህይወት ዝመርሑሉ ሓገዝ ገንዘብ ክግበር ከምዝፀንሐ እውን ወሲኸን ገሊፀን።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ንህዝቢ ትግራይ ዓቢዪ እፎይታ ሒዙ ዝመፀ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ከም መዐደጊ ግዘ ከምዝተጠቐመሉ ተዛሪበን።

በዙይ ድማ እቲ ጉጅለ ግዝያዊ ምምሕዳር እቲ ክልል ብሓይሊን ብተደጋጋሚን ብምፍራስ፣ ብጨረባ መረፃ ዝወደቦ ቤት ምኽሪ ብምእካብ ተቐባልነት ዘይብሉ ካቢኔ ከምዘጣየሸ ኣረዲአን።

ኣብዚ እዋን እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ህወሓት ተተካኢ ወለዶ ክልል ትግራይ ኮነ ኢሉ ብመዋቕራዊ ኣሰራርሓ የጥፍኦ ከምዘሎ ወይዘሮ ኬርያ ኣረዲአን።

ብፍላይ ንባዕሉ ንዳግማይ ኲናት ብምድላው፣ ህፃናት ካብ ሕቑፊ ኣዲኦም ብምምንዛዕ ኣዴታት ትግራይ ደም የንብዐን ከምዘሎ ኣፍሊጠን።

እቲ ጉጅለ ካብ ውሽጢ ዓድን ወፃእን ምስ ዘለዉ ሓይልታት ፀላኢ ዘይተቐደሰ መውስቦ ብምፍጣር፣ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንዳግማይ መከራ ንምቅላዕ ፃዕሪ ይገብር ከምዘሎ ኣልዒለን።

እቲ ዘይሕጋዊ ጉጅለ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘብፅሖ ዘሎ ከቢድ ሰብኣዊ በደል ብዝተፈላለዩ ሃገራትን ዓለም ለኻዊ ትካላትን ይኹነን ከምዘሎ ጠቒሰን።

እቲ ጉጅለ "ፅምዶ" ብዝብል ስያሜ ምስ ሻዕቢያ፣ ሱዳንን ፅንፈኛ ሓይልታት ውሽጢ ዓዲን ጥምረት ብምፍጣር፣ ንኢትዮጵያ እንሃወኸ ክነብር ዓሊሙ ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ኣልዒለን።

ኣዴታት ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ እቲ ፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት እምኒ እናደርበያ እየን ዝበላ ወይዘሮ ኬርያ፤ መንእሰይን ህዝብን እቲ ክልል እውን እኩይ ውዲት እቲ ጉጅለ ብሰፊሑ ይቃለሶ ከምዘሎ ኣረዲአን።

ምስ ሻዕቢያ ካብ ዝፍፅሞ ምጉሕጓሕ ወርቅን ክቡራት ማዕድናትን ብተወሳኺ፣ መንእሰያት ትግራይ ንኲናት ሱዳን ብምሻጥ ዝረኽቦ ኣታዊ ምንዛረ ወፃኢ መግዝኢ መሳርሒ ኲናት ይገብሮ ከምዘሎ ኣቃሊዐን።

ብተወሳኺ ብፍፁም ጨካንነት ህፃናት ካብ ሕቑፊ ኣዶታት ብምምንዛዕ ናብ መዓስከር ኲናት ብምግዓዝ፣ ብውሽጢ ዓድን ዓለም ለኻዊ ድንጋገታት ሕጊን ዘሕትት ሰብኣዊ ግፍዒ ይፍፅም ከምዘሎ ገሊፀን።

ኣብ እዚ ሐዚ እዋን ኣብ ውሽጢ ዓድን ፣ትካላት ዓለምን ዜጋታትን ንዝበፅሖ ውግዘት ፀማም እዝኒ ብምሃብ ፣ንህዝቢ እቲ ክልል ናብ ዝገደደ ፀገም የጥሕሎ ከምዘሎ ተዛሪበን ።

ሽማግለታት ውሽጢ ዓዲ ፣ትካላት ዓለም ለኸ ን ሃገራትን ንዑኩይ ተግባሩ ክቃለስዎ ከምዝግባእ ሓቢረን  ።

ንቤት ትምህርቲ እቲ ክልል ቀዲሙ ብምዕፃውን  ነቲ መንእሰይ ናብ ካምፕታት ብምግዓዝ ንተተካኣይ ወለዶ ትግራይ ኣብ ምምካን ከምዝርከብ ኣመልክተን ።

ን ሃገር ለኸ ፈታና 12 "ዓርሰይ ከዳልው እየ" ብዝብል ናይ ፅባሕ ተስፋን ሕልምን  እቲ መንእሰይ እናፀልመተ ምኹኑ ፀሪሐን። 

እዚ ጉጅለ ኮነ ኢሉ ተተካኣይ ወለዶ ትግራይ ብማሓውር እናጥፈአ ከም ዝርከብ መርአያ እዩ ክብላ ኣገንዚበን ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም