ኢትዮጵያ ብፍርያት ውሽጢ ሃገርን ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ሒዛ-ኣይ ኤም ኤፍ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 1/ 2018 (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ብሓፈሻ ብፍርያት ውሽጢ ሃገርን ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ሒዛ ከም ትርከብ ትካል ገንዘብ ዓለም( ኣይ ኤም ኤፍ) ኣፍሊጡ።
ብመሰረት ትካል ገንዘብ ዓለም ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዝርከባ 19 ሃገራት ዓቕሚ ምግዛእ ገንዘብ (PPP) መሰረት ብምግባር ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ኣብ ወርሒ ግንቦት 2026 ዘውፅኦ ዕላዊ ሓበሬታ ሓፈሻዊ ፍርያት ውሽጢ ሃገር ኢትዮጵያ(GDP በPPP) 558.93 ቢሊዮን ዶላር ብምብፃሕ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቀዳማይ ብርኪ ኮይና ትርከብ።
ካብ ኢትዮጵያ ቀፂላ ድማ ኬንያ ብ435.21 ቢሊየን ዶላር ካልኣይ፣ታንዛኒያ ድማ ብ320.88 ቢሊየን ዶላር ሳልሳይ ብርኪ ኮይነን እየን።
ምጣነ ሃፍቲ ኢትዮጵያ፣ኬንያን ታንዛኒያን ኣብ ሓደ እንትድመር 1.35 ትሪሊየን ዶላር እንትኸውን፤ እዚ ድማ እተን ዝተረፋ 16 ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ብድምር ካብ ዘለወን ሓፈሻዊ መጠን ኢኮኖሚ ኣዝዩ ዝበልፀ ምዃኑ እዚ ድማ ዓብይነት ዕዳጋ ኢትዮጵያን ጎረቤታን ዘርኢ እዩ።
ኮሞሮስ ድማ ብ3.43 ቢሊዮን ዶላር ናይ መወዳእታ መበል 19 ብርኪ ከም ትርከብ እቲ ሓበሬታ ይሕብር

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም