ተዛተይቲ ጉባኤ ዋና ሃገራዊ ምኽክር ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ - ኢዜአ ትግርኛ
ተዛተይቲ ጉባኤ ዋና ሃገራዊ ምኽክር ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሓምለ 1/2018(ኢዜኣ) ካብ 8 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ዝካየድ ጉባኤ ዋና ሃገራዊ ምኽክር ዝሳተፉ ተዛተይቲ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።
ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ክተሳልጦ ዝፀንሐት ከይዲ ሃገራዊ ምኽክር ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይ መወዳእታን ወሳንን ምዕራፍ በፂሑ እዩ ዝርከብ።
እቲ ታሪኻዊ ጉባኤ ካብ 8 ሓምለ 2018 ዓ/ም ጀሚሩ ኣብ ማእኸል ዓለም ለኸ ኮንቬምሽን ኣዲስ ክካየድ እዩ።
ኣብቲ ዋና ጉባኤ ሃገራዊ ምኽክር ኣብ ዝዝተየሎም 8 ዋና ዋና ኣጀንዳታት ብዝርዝር ንምዝታይን ዘላቒ መፍትሒ ንምምፃእን ካብ ኩሎም ኩርናዓት እታ ሃገር ዝተወከሉ 4 ሽሕ ተዛተይቲ ኣዲስ ኣበባ እናኣተዉ እዮም ዝርከቡ።