ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንበጀት ዓመት 2019 ክልተ ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 30/2018(ኢዜኣ) ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ንበጀት ዓመት 2019 ክልተ ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኣፅዲቑ።
ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መበል 30 ስሩዕ ኣኼብኡ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ኣካይዱ።
ቀዋሚ ኮሚቴ ፕላን፣በጀትን ፋይናንስን ኣብ ስሩዕ ኣኼባ እቲ ቤት ምኽሪ ፀብፃብ በጀትን ውሳነ ሓሳብን በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2019 ኣቕሪቡ።
ብመሰረት እዚ ድማ 2 ነጥቢ 34 ትሪሊየን ብር ኮይኑ ዝቐረበ በጀት መንግስቲ ፌዴራል በጀት ዓመት 2019 እቲ ቤት ምኽሪ ብኣብዝሓ ድምፂ ኣፅዲቑ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም