ወርቂ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ 5 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ወርቂ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ 5 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ፈጢሩ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 30/2018(ኢዜኣ) ወርቂ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ 5 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ከም ዝፈጠረ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መብራህርህን መልስን ሂቦም።
ኣብ መብራህርሂኦም፤ ካብ 1984 ክሳብ 2011 ዓ.ም ኣብ ውሽጢ 27 ዓመታት ብሓፈሻ ወርቂ ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ 3 ነጥቢ 7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ከም ዝተረኸበሉ ኣዘኻኺሮም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ጥራሕ ካብ ንግዲ ወፃኢ ወርቂ 5 ነጥቢ 5 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ምርካብ ዝተኽኣለሉ ዓቕሚ ከም ዝፈጠረ ኣረዲኦም።
ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዝተመዝገበ ዝላ ንውፅኢት 27 ዓመታት ከም ዝበልፅን ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፤ እዚ ድማ ሓቃዊ መረጋገፂ ዕቤት ከም ዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ ዘይኮነስ ዝጭበጥን ዝድህሰስን ዕቤት እናመፀ እዩ ዝርከብ ኢሎም።