ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ 11 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ-ቃማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ 11 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ረኺባ-ቃማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 30/2018(ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዘመዝገበቶ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ 11 ቢልዮን ዶላር እታ ሃገር ካብ 1984 ክሳብ 2000 ዓ/ም ኣብ ዘለዉ 17 ዓመታት ካብ ዝረኸበቶ ሓፈሻዊ ኣታዊ ኤክስፖርት ማዕረ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መብራህርህን መልስን ይህቡ ኣለዉ።
ኣብ መብራህርሂኦም ድማ፤ ኢትዮጵያ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ዘመዝገበቶ ኣታዊ ንግዲ ወፃኢ 11 ቢልዮን ዶላር እታ ሃገር ካብ 1984 ክሳብ 2000 ዓ/ም ኣብ ዘለዉ 17 ዓመታት ካብ ዝረኸበቶ ሓፈሻዊ ኣታዊ ኤክስፖርት ማዕረ ከም ዝኾነ ሓቢሮም።
እዚ ልዕሊ ትልሚ ኣፈፃፅማ ዝተርኣየሉን ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ዓብይ ውፅኢትን ሓባራዊ ዓወት ኢትዮጵያውያን እዩ ኢሎም።