ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲ ግብርና 7 ነጥቢ 7 ዕቤት ክምዝገብ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብዚ በጀት ዓመት ኣብ ዓውዲ ግብርና 7 ነጥቢ 7 ዕቤት ክምዝገብ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 30/2018(ኢዜኣ) ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ዓውዲ ግብርና 7 ነጥቢ 7 ዕቤት ከም ዝምዝገብ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣፍሊጦም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ 5ይ ዓመት ዘበነ ስራሕ 6ይ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መብራህርህን መልስን ይህቡ ኣለዉ።
ኣብ መብራህርሂኦም ድማ፤ መንግስቲ ዝጀመሮም ሓፈሻዊ ስጉምትታት መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ እታ ሃገር ኣብ ተኸታታሊ ዕቤት ንክትርከብ ከም ዘኽኣልዋ ተዛሪቦም።
ብመሰረት እዚ ድማ ኣብ በጀት ዓመት 2018 ኣብ ዓውዲ ግብርና 7 ነጥቢ 7 ዕቤት ከም ዝምዝገብ ገሊፆም።
ኣብዚ ዓመት 29 ሚልዮን ሄክታር መሬት ብምልማዕ 1 ነጥቢ 3 ቢልዮን ኩንታል ፍርያት ምእካብ ከም ዝተኽኣለ እውን ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እውን ኣብ ዝተፈላለዩ ስትራቴጂካዊ ጅማሮታት ልምዓት ዝተሳለጡ ስራሕቲ ጭቡጥ ውፅኢት እናተረኸበሎም ከም ዝኾነ ብምግላፅ፤ ብፍላይ ድማ ኣብ ኢንሼቲቭ ትሩፋት ሌማት ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ኢትዮጵያ ብፍርያት ኣቮካዶ ብብርኪ ኣፍሪካ ካልአይቲ ለኣኺት ሃገር ምዃን ከም ዝኸኣለት ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ካብ ንግዲ ወፃኢ ቡን ቅድሚ ሕዚ ኣብ ዝሓለፉ 17 ዓመታት ብሓፈሻ ዝረኸበቶ 3 ነጥቢ 3 ቢልዮን ዶላር ጥራሕ ከም ዝነበረ ብምዝኽኻር፤ ሎሚ ዓመት ግና ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ 3 ነጥቢ 1 ቢልዮን ዶላር ከም ዝተረኸበ ኣፍሊጦም።
እዚ ዓብይ ዓወትን ዕቤትን ዝተመዝገበሉ ምኽንያት ድማ መፍረያይነት ቡን ኣብ ምዕባይ ልዑል ትኹረት ተዋሂቡ ስለዝተሰርሐ እዩ ኢሎም።