ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ መዋቕር ኢኮኖሚ ብዘበናዊ መንገዲ ምቕራፅን ምምሕያሽን ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ተሓንፂፆም ተግባራዊ ኮይኖም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) - ኢዜአ ትግርኛ
ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ መዋቕር ኢኮኖሚ ብዘበናዊ መንገዲ ምቕራፅን ምምሕያሽን ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ተሓንፂፆም ተግባራዊ ኮይኖም እዮም-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፤ ሰነ 30/2018(ኢዜኣ) ብልፅግናን ሉኣላዊነትን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ መዋቕር ኢኮኖሚ ብዘበናዊ መንገዲ ምቕራፅን ምምሕያሽን ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ተሓንፂፆም ተግባራዊ ከም ዝተገበሩ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ተረኺቦም ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርን እናሃቡ እንትኸውን፤ ብልፅግና ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ እቲ መዋቕር ኢኮኖሚ ብዘበናዊ መንገዲ ምቕራፅን ምምሕያሽን ዘኽእሉ ስትራቴጂታት ተሓንፂፆም ተግባራዊ ከምዝተገበሩ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ድማ ግብርና ብቴክኖሎጂ ብምምዕባልን ቱሪዝም ብምስፍሕፋሕን፣ውሕስና ምግቢ ምርግጋፅም ሸርፊ ወፃኢ ምዕባይን ቀዳማይ ስርሑ ዝገበረ ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ብምግባር ዕዉት ከም ዝኾነ ኣረዲኦም።
ናህሪ ዋጋ ብምቁፅፃርን ንዓውዲ ውልቀ ብምትብባዕን መዋቕራዊ ለውጢ ምምፃእ ከም ዝተኽኣለ እውን ሓቢሮም።
እዚ ለውጢ ኢኮኖሚ ቅዋማት ምፅዋር ዓለም ለኸ ፅልዋታት፣ፈተናታት ናብ ዕድል ምቕያርን ብሄራዊ ረብሓ ምኽባርን ብተግባር እናርኣየ እዩ ዝርከብ ኢሎም።