ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ ዝተሰርሐ ስራሕ ለውጢ እናተረኸበሉ እዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ/ሰነ 30/2018 (ኢዜኣ) ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ፅሬት ንምርግጋፅ ብዝተሰርሑ ስራሕቲ ልዑል ለውጢ እናመፀ ከም ዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዐቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ኣብ መበል 30 ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ንዝተልዓልሎም ሕቶታት መልስን መብራህርን እናሃቡ እዮም ዝርከቡ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ዝሃብዎ መብራህርሂ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ተምሃሮ ብባዕሎም ተኣማሚኖም ፈተና ዝወስድሉ ኣሰራርሓ ተግባራዊ ከም ዝተገበረን ባህሊ ምቅድዳሕ ምትራፍ ከም ዝተኽኣለን ተዛሪቦም።
ኣብ ዓውዲ ትምህርቲ ብዝተሰርሐ ስራሕ ልዑል ዓወት ከም ዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ መዋእለ ህፃናት ንምስፍሕፋሕ ብዝተውሃቦ ትኹረት 35 ሽሕ መዋእለ ህፃናት ምህናፅ ከም ዝተኽኣለ ኣረዲኦም።
ፅሬት ትምህርቲ ንምርግጋፅ፣ምቅድዳሕ ንምትራፍ፣ትምህርቲ ብቴክኖሎጂ ንምስፍሕፋሕ ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ እውን ተስፋ ዝህብ እዩ ኢሎም።
ቀዳማይን ካልኣይን ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ኣዝዩ ዝተባባዕ ደረጅኦም ዝሓለዉ ህንፀታት እናተሳለጡ ከም ዝኾኑ ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም